ኣብ ቤት ማእሰርታት ዓሰብ ዝርከቡ ዜጋታት የመን ብኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ይሳቐዩ ከምዘለዉ ዳግማይ ክሲ ቀሪቡ

ኣብ ቤት ማእሰርታት ዓሰብ ዝርከቡ ዜጋታት የመን ብኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ይሳቐዩ ከምዘለዉ ዳግማይ ክሲ ቀሪቡ

      yemeni prisoner ብግብረ ሽበራ ተጠርጢሮም ኣብ ቤት ማእሰርታት ዓሰብ ዝርከቡ ዜጋታት የመን ብኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ይሳቐዩ ከምዘለዉ ዳግማይ ክሲ ቀሪቡ።

       ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣባላት ግብረ ሽበራ’ዮም ኢላ ዝጠርጠረቶም የመናውያን ኣብ ዝተፈላለዩ መዳጎኒ መዓስከራት ዓደን ትእክቦም ከምዘላ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ እቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ዝበለቶም ግና ኣብ ኤርትራ ከባቢታት ዓሰብ ብምቕያድ ተሳቕዮም ኣላ ብምባል ህዩማን ራይትስ ዎች ከሲሱ።

 

       እቲ ኣህጉራዊ ተጣባቒ መሰላት ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ብሰንኪ ሰበስልጣን ኤርትራ ምእታው ናብ ኤርትራ ምኽልካሎም ነዚ ክስታት ብኣካል ከረጋግጾ ኣሸጋሪ ምዃኑ’ኳ እንተገለጸ፣ ኣብቲ ቦታ ተቐዪዶም ዝነበሩ፣ ስድራቤት ግዳያት፣ ጠበቓታት ከምኡ’ውን ሰበስልጣን የመን ብምዝርራብ ነቲ ሓበሬታ ክእክቦ ከምዝኸኣለ ኣፍሊጡ።

       ህዩማን ራይትስ ዎች ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ድሕሪ ዘካየዶ መጽናዕቲ፣ እቲ ኣብ ከባቢታት ዓሰብ ዝርከብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ እትጥቀመሉ ዘላ መዳጎኒ መዓስከር ንኣስታት ክልተ ዓመታት ክትግልገለሉ ከምዝጸንሐት ይገልጽ።

       ካብ ወርሒ መጋቢት ናይ 2015 ኣትሒዛ ኣካል ናይቲ ኣብ የመን ወተሃደራዊ ምትእትታው ዝገብር ዘሎ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ልፍንቲ ዝኾነት ኢማራት፣ ኣብ ዝተፈላለየ መዓስከራት ዓደንን ኤርትራን ቀዪዳቶም ዘላ የመናውያን፣ ብሕሱም መግረፍትን ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛን ብተደጋጋሚ ክትክሰስ ጸኒሓ’ያ።

       እቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ፣ 49 ሰባት 4 ካብኦም ትሕቲ ዕድመ ህጻናት፣ ተቐዪዶምሉ ኣብ ዝነበሩ እዋን ንክብረቶም ዘዋርድ መግረፍቲ ከምኡ’ውን ኣካላዊ ጉድኣት ዘውረደሎም ኢሰብኣዊ ማህረምትን ስቓይን ከምዝወረዶም ኣፍሊጡ።

       ሰበስልጣን ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኮነ መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ብህዩማን ራይትስ ዎች ዝቐርብ ዘሎ ክሲ ናይ ኣሉታ መልሲ ሂቦምሉ’ዮም። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢማራት ዓረብ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ እቲ ጸብጻብ መሰረት ዘይብሉን ናይ ፖለቲካ ጸወታን እዩ ክብል ምንጻጉ ይዝከር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0