ኣብ የመን፣ ሶማልያን ደቡብ ሱዳንን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ናይ ሞት ሓደጋ የንጸላልዎም

ኣብ የመን፣ ሶማልያን ደቡብ ሱዳንን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ናይ ሞት ሓደጋ የንጸላልዎም

yemenUNICEFኣብ የመን፣ ሶማልያን ደቡብ ሱዳንን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ብዋሕዲ መኣዛዊ መግቢ ዝሳቐዩ ዘለዉ ህጻናት ናይ ሞት ሓደጋ የንጸላልዎም ምህላዉ ዪኒሴፍ ኣጠንቂቑ።

ዪኒሴፍ ብዕለት ሓደ ሓምለ ካብ ጀኔቫ ኣብ ዘመሓላለፎ መግለጺ፣ ኣብ ሱዳን ልዕሊ 20 ሽሕ ብሕማም ሸሮኽን ውጽኣትን ዝተጠቕዑ ህጻናት ክህልዉ እንከለዉ ልዕሊ 400 ከኣ በቲ ሕማም ከምዝሞቱ ኣፍሊጡ።

 

ብፍላይ ኣብ ግዝኣት ናይል ልዕሊ 7,200 ህጻናት ከቢድ ሓደጋ ኣንጸላልዩዎም ከምዘሎ ይግለጽ።

ብሓፈሽኡ ኣብቲ ሰላም ተሓሪሙዎ ዘሎ ዞባ ልዕሊ 4.7 ሚልዮን ህጻናት ንሓደጋ ሸሮኽን ውጽኣትን ተቓሊዖም ብምህላዎም፣ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለም ህጹጽ ኣቓልቦ ክገብር ዩኒሴፍ ጸዊዑ።

ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ የመን ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ብሕማም ሸሮኽ ይጥቅዑ ከምዘለዉ ኣብ ሬድዮ ኤረና ምቅልሑ ይዝከር። ምንጭታት ኤረና ከምዝሕብርዎ ዱባብን ኮኻን ኣብ ዝተባህላ መዓስከራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ናይ መድሃኒትን መሰረታዊ መግብታትን ዋሕዲ ኣጋጢሙዎም ስለዝርከብ፣ እቲ ሕማም ከቢድ ሓደጋ ከየውርደሎም ተሰጊኡ ከምዘሎ የመልክቱ።

ኣብ የመን ሕማም ሸሮኽ ልዕሊ 1500 ህይወት ቀዚፉ ከምዘሎ ይግለጽ። 

COMMENTS

WORDPRESS: 0