ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ሓጂ ሙሳ ዝተኣስሩ 10ታት ኣመንቲ ምስልምና ብዋሕስ ተፈቲሖም

ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ሓጂ ሙሳ ዝተኣስሩ 10ታት ኣመንቲ ምስልምና ብዋሕስ ተፈቲሖም

Radio Erena: 13 August 2018

Haji Mussa

ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ሓጂ ሙሳ ተገፊፎም፣ ኣብ ሓሽፈራይ ተኣስሮም ካብ ዝጸንሑ ኣስታት 400 ኤርትራውያን እመንቲ ምስልምና፣ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ቅነ 10ታት ካብኣቶም ከምዝተፈትሑ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቶም ካብ ወርሒ መጋቢት 2018 ኣትሒዞም ንኣስታት ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣብ ሓሽፈራይ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ኤርትራውያን፣ ናብ ዓዲ ኣቤቶ ተሰጋጊሮም ድሕሪ ምጽናሕ’ዮም ብዋሕስ ተፈቲሖም ዘለዉ።

እቲ መንግስቲ ኣቐዲሙ’ውን ኣብ ዓላ ተኣሲሮም ካብ ዝነበሩ ሓይሎ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ከምዝፈትሐ ይፍለጥ።

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2017 ኣብ ኣኽርያ ድሕሪ ዝተጎሃሃረ ተቓውሞ ተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ድያእ ኣል እስላምያ፣ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ፣ ወዲ 93 ዓመት ኣቦ መንበር ኮሚተ ወለዲ ናይታ ቤት ትምህርቲ ሓጂ ሙሳ መሓመድኑር ዝርከብዎ፣ መማህራንን ኣማኢት ተማሃሮ ምስ ወለዶምን ብጅምላ ከምዝኣሰሮም ኣይርሳዕን።

ኣቦና ሓጂ ሙሳ መሓመድኑር ድሕሪ ናይ ኣስታት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ማእሰርቲ ክዓርፉ እንከለዉ፣ ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሮም ካብ ዝተሳተፉ ኣስታት 800 መንእሰያት ተገፊፎም ኣብ ዓላን ሓሽፈራይን ከምዝተስሩ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

እቲ መንግስቲ፣ በብእዋኒ 10ታት ካብቶም እሱራት ይፈትሕ እኳ እንተሎ፣ ተማሃሮ፣ መማህራንን ወለድን ቤት ትምህርቲ ዲያእ ዝኾኑ ኣማኢት ኣመንቲ ምስልምና ገና ኣብ ሓሽፈራይን ዓላን ኣሲርዎም ከምዘሎ እቶም ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምንጭታት ኣረጋጊጾም።

======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0