ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ሶማል ዝተዋፈራ ኩባንያታት ዕደና ነዳዲ፣ ንጥፈታተን ደው ከምዘበላ ተገሊጹ

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ሶማል ዝተዋፈራ ኩባንያታት ዕደና ነዳዲ፣ ንጥፈታተን ደው ከምዘበላ ተገሊጹ

Radio Erena: 13 August 2018

Oil Ogaden

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ሶማል ብሰንኪ ኣጋጢሙ ዘሎ ጸጥታዊ ሓደጋታት፣ ኣብቲ ዞባ ዝተዋፈራ ኩባንያታት ዕደና ነዳዲ፣ ንጥፈታተን ደው ኣቢለን ከምዘለዋ ዘ ሪፖርተር ሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ ማዕከን ዜና ዘቕረቦ ዜና፣ ኣብቲ ክልል ነዳዲ ብ ምድላይ ዝጸንሓ ክልተ ዓብይቲ ናይ ቻይና ኩባንያታት፣ ናይ ዳህሳስ ንጥፈታተን ብምቁራጽ፣ ሰራሕተኛታተን ብናይ ብሕሪ ናይ ክራይ ነፋሪት ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣግዒዘን ኣለዋ።

ብሰንኪ’ቲ ኣብ መንጎ ሰራዊት ኢትዮጵያን ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማልን ዘጋጠመ ግጭት፣ ካብ ናብን ኣዲስ ኣበባን ናብ ከተማ ጂግጂጋን ዝካየድ ዝነበረ በረራታት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ተሰናኺሉ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፣ ኣብ ክልል ሶማል ክካየድ ዝጸንሐ ዳህሳስ ነዳዲ ናይ መጅመርያ ፍርያቱ ንምውጽእ ከምዝተቓረበ ምሕባሩ ይዝከር።

ኣብቲ ካብ ዝሓለፍ ቅንያት እትሒዙ፣ ኣብ ጂግጂጋ፣ ድሬዳዋን ካልኦት ንእሽቱ ዓድታትን ሕጂ ድማ ኣብ ሻሽመኔ ዝተወልዐ ግርጭታት፣ ሓያሎ ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፣ ኣብያተ ክርስትያን፣ መንበሪ ኣባይትን ትካላትን ከምዝተቓጸለ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት የመልክቱ።

ነቲ ኣብቲ ዞባ ዘጋጠመ ጸጥታዊ ኩነታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዘእተዎ ዝገልጽ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ንብረትን ናይ ዝወረደ ጉድኣት ብዝርዝር ኣይሓበረን።

እቲ መንግስቲ፣ ኣብቲ ዞባ ኣገልግሎት ኢንተርነት ኣቋሪጽዎ ብምህላዉ፣ ህዝቢ ብመንገዲ ማሕበራዊ ሜድያታት ዝዝርጋሖ ዝነበረ ዋሕዚ ሓበሬታታት ተገቲኡ ኣሎ።

=======================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0