ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ስደተኛታት ኣብ ልዕሊ ተጸዋዒ ስደተኛታት ዘለዎም ሻቕሎት ይዓዝዝ

ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ስደተኛታት ኣብ ልዕሊ ተጸዋዒ ስደተኛታት ዘለዎም ሻቕሎት ይዓዝዝ

Radio Erena: 29 July 2018

unhcr sudaኣብ ሱዳን ዝርከቡ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ተጸዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዝረአ ዘሎ ብልሽውና ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ወዲቖም ከምዘለዉ፣ ማዕከን ዜና ኣይሪን ሓቢሩ።

እቲ ኣገልግሎት ዜና ንምንጭታቱ ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረቦ ሓበሬታ፣ ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ኣባላት ተጸዋዒ ስደተኛታት ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ናይ ምጥያስ መስርሕ ከም ቀንዲ ምንጪ ኣታዊኦም ብምርኣይ፣ ንዝመጸ ዕድላት ገንዘብ ንዝኸፈለ ይህብዎ ከምዘለዉ ኣፍሊጡ። ማእከላይ ቤት ጽሕፈት’ቲ ተጸዋዒ ስደተኛታት ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ንዝቐረበሉ ኣቤቱታ ብምርኣይ መጽናዕቲ ንምግባር ኣብ መዓስከራት ንዘለዉ ስደተኛታት ክሓትት ምስ ጀመረ ከኣ፣ ‘እንተመስኪርኩም ወይልኹም’ ዝብል መፈራርሒ ካብ ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ሱዳን ይመጾም ከምዘሎ ሓቢሩ።

ኣባላት ተጸዋዒ ስደተኛታት ምስ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ሱዳን ጥቡቕ ርክብ ከምዘለዎም ብመርትዖታት ዝተሰነየ ሓበሬታ ከምዝኣከበ ዝገልጽ እቲ ኣገልግሎት ዜና፣ ቃል ምስክርነቶም ንዝህቡ ስደተኛታት ውሕስነት ክህቦም ዝኽእል ወገን ብዘይምህላዉ፣ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ከምዝርከቡ ይሕብር።

ኤርትራውያን ስደተኛታት’ውን ኣብ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ተጸዋዒ ስደተኛታት እምነት ከምዘይብሎም ብፍላይ ከም ተርጎምቲ ዝተቖጽሩ ውልቀሰባት ሓበሬታ ናብ ሳልሳይ ኣካል ከመሓላልፉ ምጽንሖም ቃል ምስክርነቶም ሂቦም።

ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ክጣየሱ ካብ ዝንገሮም ጥራይ ክሳብ 4 ዓመታት ዝጽበዩ ስደተኛታት ክህልዉ እንከለዉ፣ 15 ሽሕ ዶላር ብላዕ ንዝሃቡ ከኣ ኣብ መዓልታት ሰሊጡዎም ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ክጣየሱ ምርኣይ ንቡር ተርእዮ ምዃኑ ቃል ምስክርነቶም ዝሃቡ ስደተኛታት ይገልጹ።

ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ሱዳን ‘ናብ ሃገርኩም ክትስጎጉ ኢኹም፣ ወረቐትኩም ኣይተሓደሰን’ ብዝብልን ካልእ ምስምስን ካብ ኤርትራውያን ስደተኛታት ገንዘብ ክምንዝዑ ምጽንሖም፣ ኣብታ ሃገር ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት በብእዋኑ ምስ ሬድዮ ኤረና ኣብ ዝገበርዎ ቃለመጠይቓት ክገልጹ ምጽንሖም ይዝከር።

=================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0