ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ጅቡትን ፈረንሳን ኣብ ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘትዮም

ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ጅቡትን ፈረንሳን ኣብ ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘትዮም

Radio Erena: 30 July 2018

France Djibouti

ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ጅቡትን ፈረንሳን ኣብ ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከምዝዘተዩ ተሓቢሩ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ውጻኢ ፈረንሳ ብዝዘርግሖ መግለጺ መሰረት፣ ሚኒስተር መሓመድ ዓሊ ዮሱፍ ብ19 ሓምለ ምስ ፈረንሳዊ መዘንኡ ዦን ኢቭ ለ ድርያ፣ ኣብ ከተማ ፓሪስ ብምርኻብ ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያተ ተዘራሪቡ።

ክልቲኦም ሚኒስተራት፣ ኣብ መንጎ ሃገራቶም ዝጸንሕን ዘሎን ቁጠባዊ፣ ፖለቲካዊ፣ ጸጥታውን ውትሃደራውያን ምትሕግጋዛት ብኣውርኡ ድማ ህላዋ ሰራዊት ፈረንሳ ኣብ ጅቡቲ ብምትኳር ተመያይጦም።

ብዘይካ’ዚ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ሰላም መስርሕን ጅቡቲ ክህልዋ ዝኽእል ኣበርክቶም ብምዝምልከት’ውን ሓሳብ ንሓሳብ ተለዋዊጦም።

ብመጉዚትነት ፈረንሳ ትእለ ዝነበረ ጅቡቲ፣ ካብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ኣትሒዛ ኣተኩሮኣ ናብ ኣመሪካን ቻይናን ዘቢሉ ይርከብ።

ጅቡቲ፣ ካብ 2008 ኣትሒዙ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ዘይተፈትሐ ጉዳይ ብመንጎኝነት ሕቡራት ሃገራት ክፍታሕ ዲፕሎማስያዊ ድፍኢት ተካይድ ምህላዋ ይፍለጥ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0