ኣብ ሱዳንን ሊብያን ዝርከቡ ኣስታት 600 ዜጋታት ኢትዮጵያ ናብ ዓዶም ክምለሱ’ዮም

ኣብ ሱዳንን ሊብያን ዝርከቡ ኣስታት 600 ዜጋታት ኢትዮጵያ ናብ ዓዶም ክምለሱ’ዮም

Radio Erena: 11 May 2015

600 Eth

ልዕሊ 600 ኢትዮጵያውያን ካብ ሊብያን ሱዳንን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ተመዝጊቦም ምህላዎም መንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊጹ።

ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳይት ወጻኢ እታ ሃገር ኣቶ ተወልደ ሙሉጌታ ንጋዜጠኛታት ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ 240 ዜጋታት ኢትዮጵያ ካብ ሱዳን ልዕሊ 400 ድማ ካብ ሊብያ ኣብዚ ቀረባ ቦም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ተመዝጊቦም ምህላዎም ኣረጋጊጾም።

እቶም ካብ ሊብያ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝተመዝገቡ ልዕሊ 400 ኢትዮጵያውያን፣ ኣብ ቤንቓዚ ኣብ መዝርዓታት ተታሒዞም ዝነበሩ ኮይኑ ሰራዊት ግብጺ ብዘካየዶ ስርሒት ናጻ ዝወጹ ምዃኖም’ውን ይግለጽ።

 

ድሕሪ’ቲ ጉጅለ ዳዒሽ ናይ ሊብያ ኣስታት 30 ዜጋታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ዝቐጠለሉ ፍጻሜ፣ ኢትዮጵያ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንምስጋር ኣብ ሱዳንን ሊብያን ንዝርከቡ ዜጋታታ ንምምላስ ሓያል ጻዕሪ ኣብ ምክያድ ትርከብ።

እንተኾነ ኣብ ሱዳንን ሊብያን ካብ ዝርከቡ ኣሽሓት ዜጋታት ኢትዮጵያ፣ ዛጊት ኣስታት 40 ጥራይ’ዮም ብድሌቶም ካብ ሊብያ ተመሊሶም ዘለዉ።

እዞም ኣብዚ ቀረባ ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ኣስታት 600 ኢትዮጵያውያን ድማ ንኻልኦት ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ብምምሕላን ኣብ ሕማቅ ኩነታት ዝርከቡ ዜጋታት እታ ሃገር ብድሌቶም ክምለሱ ከተባብዕ ትጽቢት ከምዘሎ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር የመልክቱ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0