ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ኣብ ዘውጽኦ ወግዓዊ መግለጺ፣ ስም ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ምስቲ ኣብ ቀይዲ ዝርከብ ኣቶ ዓብደላ ጃብር ሓዋዊሱ

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ኣብ ዘውጽኦ ወግዓዊ መግለጺ፣ ስም ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ምስቲ ኣብ ቀይዲ ዝርከብ ኣቶ ዓብደላ ጃብር ሓዋዊሱ

Radio Erena: 11-05-15

egypre

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሳምሕ ሹክሪ ዝተመርሐ ልኡኽ መንግስቲ ግብጺ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ዘካየዶ ዑደት፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ እብ ዘውጽኦ ወግዓዊ መግለጺ፣ ንስም እቲ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ወኪሉ ምስቲ ልኡኽ ዝርርብ ዘካየደ በዓል ስልጣን ኤርትራ ብጌጋ ምጥቃሱ፣ ኣብ ግብጺ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ናብቲ ሚኒስትሪ ናይ ነቐፌታ ደብዳቤ ከምዝልኣኸ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣብቲ ብሓሙስ 7 ግንቦት ዘውጽኦ ወግዓዊ መግለጺ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሳምሕ ሹክሪ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራን ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ጃብርን ተራኺቡ ክብል’ዩ ጠቒሱ።

 

እቲ ሚኒስትሪ ኣብ መግለጺኡ፣ ንሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍን ኣማኻሪ ፕረዚደንትን ኣቶ የማነ ገብርኣንን ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ሓላፊ ውድባዊ ጉዳያት ህግደፍ ነበረ ኣቶ ዓብደላ ጃብርን’ዩ ሓዋዊስዎ።

ኣብ ሓያሎ ናይ ዜና ማዕከናትን ካልኦት ዘይመንግስታውያን ትካላትን ናይ ኣስማት ጌጋ ዘጋጥም እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ሓንቲ ሃገር ዑደት ዘካየደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን መንግስቲ ኣስማት ዝርርብ ምስ ዘካየደሎም ሰበ ስልጣን ብጌጋ ተጠቒሱ ኣብ ወግዓዊ መግለጺ ሃገር ክወጻእ ግና ሳሕቲ’ዩ ዘጋጥም።

ሚኒስተር ጉዳይት ወጻኢ ሳምሕ ሹክሪ ኣብ ኤርትራ ዑደት ኣብ ዘካየደሉ፣ ካብ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲ ዝተላእከ ደብዳብ ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ከረክብ ምስቲ ፕረዚደንት ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ክዘራረብ መደብ እኳ እንተነበረ፣ ኣብ ክንድኡ ምስ ኣማኻሪ’ቲ ፕረዚደንት ኣቶ የማን ገብርኣብ ጥራይ’ዩ ተራኺቡ።

ኣልሲሲ ኣብቲ ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝልኣኾ ደብዳቤ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብቲ ኣብ ግጽቢ ዝካየድ ናይ ዋዕላ ቁጠባ ኣፍሪቃ ክሳተፍ ዕድመ ከምዘቕረበሉ’ውን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣብቲ ዘውጽኢ መግለጺ’ውን ጠቒሱ ኣሎ።
==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0