ኣብ ሚያንማር ድሕሪ 50 ዓመታት ንፈለማ እዋኑ ኣብ ዝተኻየደ ደሞክራስያዊ ምርጫ፣ ሓድሽ ፕረዚደንት ተዓዊቱ

ኣብ ሚያንማር ድሕሪ 50 ዓመታት ንፈለማ እዋኑ ኣብ ዝተኻየደ ደሞክራስያዊ ምርጫ፣ ሓድሽ ፕረዚደንት ተዓዊቱ

Radio Erena: 31 March 2016

An

ኣብ ሚያንማር፣ ድሕሪ ናይ ኣስታት 50 ዓመታት ወትሃደራዊ ምልኪ፣ ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ምርጫ ዝተዓወተ ሓድሽ ፕረዚደንት፣ ብሮቡዕ 30 መጋቢት ቃለ-መሓላ ፈጺሙ።

ህብብቲ ተቓላሲት ንዴሞክራሲ፣ ኣን ሳን ሱኪ ኣብቲ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ከይትሳተፍ እኳ እንተኸልከለት፣ ንሳ እትውክሎ ሰልፊ ሃገራዊ ሕብረት ንደሞክራሲ ዝሓረዮ መቃልስታ ህትን ክያው ኣብቲ ምርጫ ክዕወት ክኢሉ ኣሎ።

ህትን ኪያው፣ ሓድሽ ፕረዚደንት ኮይኑ ቃል መሓላ ኣብ ዝፈጸመሉ፣ ኣን ሳን ሱኪ እትምድረሎም ንዝነበረት መትከላት’ዩ ደጊሙ።

 

ንሱ ብተወሳኺ፣ ንመትከላት ኣን ሳን ሱኪ ኣብ ግብሪ ንምውዓሎም ክሰርሓሉ ምዃኑ ብምርግጋጽ ከኣ፣ ሃገራዊ ዕርቂንን ቅዋማዊ ስርዓትን ካብ ቀዳምነታቱ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ኣን ሳን ሱኪ ኣብዚ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ከይትሳተፍ እኳ እንተተኸልከለት፣ ኣብ ህዝቢ ሚያንማር ዘለዋ ክብሪ ግና ልዕሊ ፕረዚደንት’ዩ ክብል’ውን ነታ ናይ ነዊሕ እዋን መቃልስቱን መራሕቲ ናይቲ ሰልፍን ኣመጕሱ።

ኣን ሳን ሱኪ፣ ኣብ ሚያንማር ደሞክራሲ ንምትእትታው ብእተካይዶ ዝነበረት ቃልሲ፣ ስልማት ናይ ሰላም ኖቤል ዝርከቦ ሓያሎ ኣህጉራዊ ስልማታት ክትዕወት ክኢላ’ያ።

በንጻር እዚ ድማ ወትሃደራዊ መራሒ እታ ሃገር ካብ ቤት ማእሰርቲ ናብ ቤት ማእሰርቲ ከምዘከላበታ ይዝከር።

እዚ ኣብ ሚያንማር ድሕሪ ፍቅሪ ዘመን ተራእዩ ዘሎ ፖለቲካዊ ለውጢ፣ ንከም በዓል ኤርትራ ዝኣመሰላ ን25 ዓመታት ብተመሳሳሊ ናይ ምልኪ መንገዲ ዝምርሓ ዘለዋ ሃገራት ተስፋ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ፖለቲከኛታት ትንታነታቶም ይብሉ።

ብዝህቢ ዝተመርጸ ሓድሽ ፕርዚደንት ህትን ኪያው፣ ኣብ ኣዳራሽ ፓርላማ እታ ሃገር ታሪኻዊ ቃ ቃል መሓላ ኣብ ዝፈጸመሉ፣ ኣን ሳን ሱኪን መላእ ኣባላት እቲ ንሳ እትውክሎ ሰልፊ ሃገራዊ ሕብረት ንደሞክራሲን ከምኡ ድማ ብዙሕ ካብ ህዝቢ እታ ሃገርን ብሓጎስ ክነብዕ ከምዝተራእየ ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢሮም።

ሓድሽ ፕረዚደንት ሚያንማር ካብ 1 ሚያዝያ ስርሑ ክጅምር’ዩ።

ንኣን ሳን ሱኪ ከኣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ክትከውን ድሮ መዚዙዋ ኣሎ።

ንሚያንማር ብምልኪ ክመርሕ ዝጸንሕ ወትሃደራዊ ጁንታ፣ ካብ 2011 ዓመት ኣትሒዙ ፖለቲካዊ ጽገናዊ ለውጥታት ከተኣታቱ ምዃኑ ብዝኣተዎ መብጽዓ መሰረት’ዩ ኣብ መወዳእታ ኣዋርሕ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዴሞክራስያዊ ምርጫ ክካየድ ዝወሰነ።

ሚያንማር ብወትሃደራዊ ጁንታ ኣብ ዝተመሓደረትሉ 10ታት ዓመታት፣ እታ ሃገር ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ካልእ ኣህጉራዊ ሕግታት ብዝጻረሩ መትከላትን ኣብ ኣህጉራዊ ተነጽሎ’ያ ጸኒሓ።

ብሰንኩ ድማ እታ ሃገር ተደጋጋሚ እዋን እገዳታት ከምእተነብረላ ኣይርሳዕን።

=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0