ካብ መበቆል ዓድታት ናይ መረጋገጺ ወረቐት ከምጽኡ ዘይክኣሉ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት መንነት ወረቐት ንምሓዝ ይጽገሙ

ካብ መበቆል ዓድታት ናይ መረጋገጺ ወረቐት ከምጽኡ ዘይክኣሉ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት መንነት ወረቐት ንምሓዝ ይጽገሙ

Radio Erena: 31 March 2016

zeggg

ካብ መበቆል ዓድታት እንዳቦን እንዳደን ናይ መረጋገጺ ወረቐት ከምጽኡ ዘይክኣሉ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት መንነት ወረቐት ንምውጻእ ከቢድ ጸገም ገጢምዎ ምህላዉ ምህላዎም ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቶም ኤርትራውያን ምዃኖም ኣሚኖም፣ ኤርትራ እትጠልቦ ግቡኣት ክሳብ መስዋእቲ ንምፍጻም ምሒሎም፣ ንልዕሊ 10 ዓመታት ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተዋፊሮም ዝርከቡ መንእሰያት፣ ካብ መበቖል ዓድታት እናዳቦን እንዳ ኣደን መረጋገጺ ከምጽኡ እንተዘይክኢሎም፣ እቲ ብክፍሊ ኢምግሬሽን ዝወሃብ ናይ ኤርትራ መንነት ወረቐት ክዕደሎም ብዘይምኽኣሉ ኣብ ሓያሎ መንእሰያት ቁጠዐ ፈጢሩ ይርከብ።

ብፍላይ ብፍትሕን ኣብ ዝተፈላለዩ ስድራቤታትን ብወሰን ንዝውለዱ ፣ ከምኡ ድማ ብዝምኽትምና ምስ ዝተፈላለዩ ስድራቤታት ዝዓበዩን ኤርትራውያን፣ መንነት ወረቐት ንምራካብ ከቢድ ጸገም ተፈጡሩ ምህልልልላዎም’ዮም ዘማርሩ።

እዚ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ሃገራዊ ግቡኦም ዝፍጽሙ ዘለዉ መንእሰያት ፈጢርዎ ዘሎ ኣደራዕ ዝደፋፍኦም ሓያሎ መንእሰያት፣ ስድራናን መበቖል ዓድናን ንምርካብ ተሓባበሩና ዝብሉ መንእሰያት ናብ ሚኒስትሪ ዜና ዝመላለሱ ምህላዎም’ውን ይንገር።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ዝብል ኣርእስቲ ንኣስታት 23 ዓመታት ኣብ ኣገልግሎት ዝጸንሐ መንነት ቀረቀት ንምቕያሩ ምድላያት ኣብ ዝገበረሉ ዘሎ እዋን’ውን፣ ኤርትራውነትብዜግነቶም ዘይኮነ፣ ንህግደፍ ብዝህልወካ ምእዝዙነት ጥራይ ይመምዎ ምስ ምህላዉ፣ ኣብ ህዝቢ ዓቢ ስኽፍታ ፈጢሩ ይርከብ።

ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ኤርትራውያን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ ኤርትራ መንነት ወረቀት ምሓዝ ማለት፣ ኤርትራውነትካ ዝገልጽ ዘይኮነ፣ ደጋፊ ህግደፍ ኢኻ ዘስምዕ እናኾነ ይመጽእ ምህላዉ ይፍለጥ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0