ኣብ መንጎ ወተሃደራዊ ጉጅለ ሱዳንን፣ ሓይሊ ንናጽነትን ደሞክራሲን፣ ብኣመሪካ ዝተማእከለ ዘተ ተኻዪዱ

Radio Erena: 12 June 2022
ብኣመሪካ ዝተማእከለ፣ ኣብ መንጎ ወተሃደራዊ ጉጅለ ሱዳንን፣ ሓይሊ ንናጽነትን ደሞክራሲን፣ ዘተ ተኻዪዱ።

ወተሃደራዊ ጉጅለ ሱዳን ብዕልዋ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ንመጀመሪያ ግዜ ዝተኻየደ እቲ ርክብ፣ ብቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ዝተማእከለ እዩ ኔሩ።

‘ምስ ወተሃደራዊ ቆንስል ምርኻብና፣ ሓድሽ ዝምድና ንምምስራት ዘይኮነ፣ ነቲ ወተሃደራዊ ዕልዋ መፈጸምታ ንምግባር እዩ’ ክብል ሓደ ካብ ወከልቲ’ቲ ሓይሊ ንጋዜጠኛታት መግለጺ ሂቡ።

ሓይሊ ንናጽነትን ደሞክራሲን ድሕሪ’ቲ ርክብ ብዓርቢ 10 ሰነ ኣብ ዘዳለዎ ጋዜጣዊ ዋዕላ፣ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ብዛዕባ’ቲ ርክብ ክበሃል ዝቐነየ ሓቅነት የብሉን ብምባል፣ ቀንዲ ዕላማ’ቲ ርክብ፣ ነቲ ወተሃደራዊ ጉጅለ ብሓይሊ ሒዙዎ ካብ ዘሎ ስልጣን ንምእላዩ ዝሃቀነ’ዩ፣ ክብል ገሊጹ።

ብዛዕባ’ዚ ርክብ ምስ ወተሃደራዊ ጉጅለ ንምዝታይ፣ ብረቡዕ 8 ሰነ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፣ ኣብ መንጎ ኣባላት ሓይሊ ንናጽነትን ደሞክራሲን ዘይምቅዳው ተፈጢሩ ምንባሩ ተገሊጹ’ዩ።

እንተኾነ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ንህዝቢ ሱዳን ዘለወን ደገፍ ብንጹር ስለዘርኣያ፣ ኣብቲ ርክብ ክንሳተፍ ወሲንና ክብሉ’ዮም ወከልቲ’ቲ ሓይሊ ዝገልጹ።

ኣመሪካን ስዑዲ ዓረብን፣ ኣብ ሱዳን ሲቪላዊ መንግስቲ ናብ ስልጣን ክምለስ ኣለዎ ዝብል ጥብቅና እየን ሒዘን ዘለዋ። ሳልሰይተን ዝነበረት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ግና፣ ነቲ ወተሃደራዊ ጉጅለ ምድጋፍ ጀሚራ ዝብል ክስታት ካብ ህዝቢ ሱዳን ብሰፊሑ ይስማዕ።

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0