ኣውፈርትን ነጋዶን ኢትዮጵያ፣ ወደብ በርበራ ናይ ሶማሊላንድ ንምጥቃም፣ ብሃንቀውታ ይጽበዩ

Radio Erena: 12 June 2022

ኣብ መንጎ ሰበስልጣናት ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዘሎ ዘይምርድዳእ ብእዋኑ ክፍታሕ ብዘይምኽኣሉ፣ ኢትዮጵያውያን ነጋዶን ኣውፈርትን ንወደብ በርበራ ክግልገሉሉ ከምዘይከኣሉ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ገሊጸን።

ወደብ በርበራ ናይ ሶማሊላንድ ብፍላይ ካብ ሃገራት ኤስያ ዝዕደግ ሃለኽቲ ነገራት ናብ ኢትዮጵያ ንምእታው ነጋዶ’ታ ሃገር ክጥቀሙሉ ጸኒሖም እዮም።

ሚኒስትሪ ፋይናንስ ሶማሊላንድ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ወደብን ትራንዚትን ንኽትረኽብ ዝነበራ ዕድል ኣምሊጡዋ’ዩ ምባሉ ይዝከር።

ኢትዮጵያ 19 ሚእታዊት ዋንነት ብርኪ ናይ ወደብ በርበራ ክትገዝእ ስምምዕ ኔሩ’ዩ፣ እንተኾነ ወግዓዊ ሰነድ ንምፍጻም ዝነበራ ናይ ግዜ ገደብ ሓሊፉ፣ ክብል’ዩ እቲ ሚኒስትሪ ዘመልክት።

ሰበስልጣን ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት ዝርርብ ጀሚሮም ምህላዎም እዩ ዝንገር። ነቲ ርክብ ብዝምልከት ግና፣ ካብ ክልቲኦም ወገናት ወግዓዊ መግለጺ ኣይተዋህበን።

ዲፒ ዎርልድ ናይ ዱባይ 240 ሚልዮን ዶላር ብምውፋር፣ 65 ሚእታዊት ካብ ወደብ በርበራ ክውንን እንከሎ እቲ ዝተረፈ ከኣ ብመንግስቲ ሶማሊላንድ እዩ ዝውነን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0