ኣብ መንጎ ኣዘዝቲ ሰራዊት ሱዳን ዝነበረ ናይ መትከል ፍልልይ ተጋፊሑ

Radio Erena: 02 April 2023

ኣብ ሱዳን፤ ኣብ መንጎ ወተሃደራዊ ጉጀለን ሲቪካውያን ማሕበራትን፤መሰጋገሪ መንግስቲ ናይ ምቛም ምፍርራም ስምምዕ፤ ናብ ዕለት 6 ሚያዝያ ከምዝተሰጋገረ፤ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ገሊጸን።

ቀንዲ ምኽኒያት ምድንጓይ’ቲ ስምምዕ፡ ኣብ መንጎ ወተሃደራዊ ጉጅለ ዝተፈጥረ ፍልልይ ሓሳባት ምዃኑ ይሕበር።

ብመሰረት ዝቐረበ እማመ፤ ገለ ጀነራላት ዝርከብዎም ሰበስልጣን ጸጥታ ሱዳን ካብ መዝነቶም ክእለዩ፤ እቲ ትካል ከኣ ብሓፈሽኡ ዳግመ ስርርዕ ክግበረሉ ዝብል ይርከቦ።

ብተወሳኺ ሓደ ካብቶም ቀንዲ ዕንቅፋት ኮይኖም ከምዘለዉ ዝንገረሎም፤ ብፈጣን ዝፍለጡ ዕጡቓት ሓይልታት ሚልሻ፤ ናብ ምዱብ ሰራዊት ክጽምበሩ ዝብል እዩ። እቶም ብሓምዳን ዳግሎ ዝምርሑ ምልሻታት ስሩዕ ወተሃደራዊ ስልጠና ዘይወሰዱ ኣብ ርእሲ ምዃኖም፤ ሓለፍቶም ብሕጊ’ታ ሃገር ዝወጸ ቅጥዒ ዘይኮነ ብያታዊ ኣገባብ ስልጣን ዝሓዙ ብምዃኖም፤ ናብ ስሩዕ ወተሃደራዊ መሳርዕ ንኽኣትዉ ብቕዓቶም ክምዘን ኣለዎ ዝብል ተሪር ተቓውሞ ስለዝቐረበ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ወሃብ ቃል ናይቲ ኣዛታዪ ኣካል ብትዊተር ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፤ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ሒደት መዓልታት ኣብ ስምምዕ ክበጽሑ ቃል ኣትዮም ኢሉ።

ኣብ መንጎ ወተሃደራዊ መራሕቲ ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃንን መሓመድ ሓምዳን ዳግሎን ተፈጢሩ ዘሎ ፍልልይ፤ ወተሃደራዊ ስልጣን ንምሓዝ ጥራይ ዘይኮነ፤ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተፈጸሙ ገበናት ተሓታትነት እውን ስለዘስዕብ፤ እቲ ዘተ ቀሊል ከምዘይከውን ተንተንቲ ፖለቲካ’ታ ሃገር ይገልጹ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0