ብቕትለት ሓደ ኤርትራዊ ዝተኸሰሱ፣ 3 ኤርትራውያን ጥርጡራት፣ ገበነኛታት ምዃኖም ቤት ፍርዲ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 02 April 2023

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፤ ብቕትለት ሓደ ኤርትራዊ መንእሰይ ተኸሲሶም ዝጸንሑ ሰለስተ ኤርትራውያን፤ ገበነኛታት ኮይኖም ከምዝረኸቦም ቤት ፍርዲ’ታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ወዲ 20 ዓመት በረኸት ሰለሙን፤ ዝሓለፈ ዓመት፤ ኣብ ‘ፈይርላንድስ ቫሊ ፓርክ’ ዝተባህለ ከባቢ፤ ንግሆ ሰዓት 7፡30 እዩ ሞይቱ ተረኺቡ።

ነቲ ግዳይ ናይ ቀረባ ፈለጥቱ ከምዝነበሩ ዝተገልጹ እቶም ሰለስተ ጥርጡራት፤ ወዲ 24 ጀላኒ ዑመር፤ ወዲ 24 ዓመት መልኣከ ፍስሃን ወዲ 19 ዓመት ናትናኤል ሓድጉን ዝተባህሉ እዮም።

ኣብቲ ብሓሙስ 30 መጋቢት ዝወዓለ መጋባእያ፤ ቤት ፍርዲ ‘ሰይንት ኣልባንስ ክራውን ኮርት’ እቶም ክሱሳት ገበነኛታት ኮይኖም ከምዝረኸቦም ኣፍሊጡ። በዚ መሰረት፤ ጀላኒ ዑመር ብቀዳማይ ደረጃ ቅትለት፤ መልኣከ ፍስሃን ናትናኤል ሓድጉን ከኣ ብፈተነ ቅትለት ገበን ተታሒዞም ኣለዉ።

ወዲ 23 ዓመት ሮቤል ምስግና ዝተባህለ ራብዓይ ጥርጡር እውን፤ ብምትሕብባር ተኸሲሱ፤ ገበነኛ ኮይኑ ከምዝረኸቦ፤ እቲ ቤት ፍርዲ ኣፍሊጡ።

ኣኽባር ሕጊ’ቲ ግዳይ ንኣይ ቲቪ ኣብ ዝሃቦ ቃል፤ እቲ ፍርዲ ንቤተሰብ ውላዶም ዝመልሰሎም እኳ እንተዘይኮነ፤ ንውሳኔ’ቲ ቤት ፍርዲ ግና ብሓጎስ ከምዝቕበልዎ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።

ካብዚ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ጀሚሩ፤ ኣብ መንጎ ኣብ ስደት ዝርከቡ ኤርትራውያን ዝካየድ ዘሎ ገበን ቅትለት፤ ዘቤታዊ ዓመጽን ካልእን፤ ኣብ ሓያሎ ሰባት ከቢድ ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ።

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0