ኣብ መንበሪ ቤት ጀነራል ኣል ቡርሃን ተታሒዙ ዝጸንሐ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ናብ ቤቱ ተሰጋጊሩ

Radio Erena: 28 October 2021

ብዕልዋ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን፣ ዓብደላ ሓምዶክ፣ ናብ ናይ ገዛ ማሕዩር ከምዝተሰጋገረ ተሓቢሩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ መንበሪ ቤት ናይቲ ዕልዋ ዝመርሐ ጀነራል ኣልቡርሃን ተታሒዙ ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ፣ ብ26 ጥቅምቲ ናብ ቤቱ ተሰጋጊሩ፣ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ክጸንሕ ተኣዚዙ።

ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ወትሃደራዊ ጉጅለ ሱዳን፣ ብ25 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ መሰጋገሪ መንግስቲ ዕልዋ ብምክያድ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ዝርከቦም ሓያሎ ኣባላት ናይቲ ሲቪል ወገን’ዩ ኣሲሩ።

ካብ ህዝቢ ሱዳንን መላእ ማሕበረት ሰብ ዓለምን ተሪር ተቓውሞ ገጢምዎ ዘሎ ወትሃደራዊ ጉጅለ ሱዳን፣ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ናይ ገዛ ማሕዩር እኳ እንተሰጋገሮ፣ ዝበተኖ መሰጋገሪ መንግስቲ ዳግም ከምዘየቕውም ደጊሙ ገሊጹ ኣሎ።

ምስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብቴሌፎን ክዘራረብ ዝኸኣለ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፣ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ካልኦት ኣባላት ካቢኒ ሚኒስተራት ናይቲ መሰጋገሪ መንግስቲ’ውን ክፍትሑ ጸዊዑ።

‘ኵናት ሓድሕድ ንምውጋድ’፣ ምእንቲ ሃገራዊ ድሕነት ብዝብል ንመሰጋግሪ ባይቶ በቲኑ ዘሎ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ወትሃደራዊ ጉጅለ ሱዳን፣ ብዛዕባ መጻኢ መደባቱ ንህዝቢ ብዝርዝር ኣየፍለጠን።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ወትሃደራዊ ጉጅለ ሱዳን፣ ኣብ ልዕሊ መሰጋገሪ መንግስቲ ዕልዋ ብምክያድ ስልጣን ክብሕት ምውሳኑ ዝተቓወመ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ንሱዳን ካብ ኣባልነቱ ከምዝኣገደ ኣፍሊጡ።

ሱዳን ናብ ሲቪላዊ ስርዓተ መንግስቲ ክሳብ እትምለስ፣ ካብ ኣባልነት ሕብረት ኣፍሪቃ ተገሊላ ከምእትጸንሕ እቲ ሕብረት ኣብ 27 ጥቅምቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣነጺሩ።

=========================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0