ሎሚ ሓሙስ 28 ጥቅምቲ፣ ኣብ ኡጋንዳ ክካየድ ዝነበሮ ውድድር ሻምፕዮን ኩዕሶ እግሪ ትሕቲ 20 ዓመት ደቂንስትዮ ሃገራት ሴካፋ ንቀዳም ተሰጋጊሩ

Radio Erena: 28 October 2021

ንሎሚ ሓሙስ 28 ጥቅምቲ ኣብ ንጀሩ ኡጋንዳ ክኽፈት ተመዲቡ ዝነበረ ውድድር ሻምፕዮን ኩዕሶ እግሪ ትሕቲ 20 ዓመት ደቂንስትዮ ሃገራት ሴካፋ ናብ ቀዳም 30 ጥቅምቲ ተሰጋጊሩ።

ኣብ’ዚ ውድድር ኤርትራ እትርከበን ሽዱሽተ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፣- ኡጋንዳ፣ ኢትዮጵያ፣ ብሩንዲ፣ ታንዛንያን ጅቡቲን ክሳተፋ ‘የን።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ’ዚ ብመልክዕ ዙርያ ዝካየድን ነፍሲወከፍ ጋንታ ድማ5 ግጥማት እተካይደሉን ውድድር ንምስታፍ ድሮ ናብ ኡጋንዳ፣ ከተማ ካምፓላ ኣትያ ኣላ።

እቲ መደብ ዝተቐየረሉ ምኽንያት ኣይተፈልጠን።

ብመሰረት ዝተቐየረ ሓድሽ መደብ፣ ኤርትራ ንቀዳም ሰዓት 10:30 ቅድሚ ቀትሪ ኣንጻር ታንዛንያ፣ ባሕቲ ሕዳር ኣንጻር ኢትዮጵያ፣ 3 ሕዳር ኣንጻር ኡጋንዳ፣ 6 ሕዳር ኣንጻር ጅቡቲ፣ 9 ሕዳር ኣንጻር ብሩንዲ ክትጻወት እያ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ መጻረዪ ውድድር ዋንጫ ደቂኣንስትዮ ኣፍሪቃ፡ ብ20 ጥቅምቲ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ቀዳማይ እግሪ ግጥም ብብሩንዲ፡ 5 ብ 0 ዝተሳዕረት ሃገራዊት ጋንታ ሲንየር ደቂኣንስትዮ ኤርትራ፡ ብሰሉስ 26 ጥቅምቲ፣ ኣብ ከተማ ብሩንዲ ከተማ ብጁምቡራ ኣብ ዝተኻየደ ካልኣ እግሪ ርክብ’ውን 1 ብ0 ተሳዒራ።

ስእሊ፣ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0