ኣብ መበል 24 ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተሳተፈ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ፣ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክሕንጸጽ እቲ ሕብረት ጸቕጢ ክገብር ጸዊዑ

ኣብ መበል 24 ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተሳተፈ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ፣ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክሕንጸጽ እቲ ሕብረት ጸቕጢ ክገብር ጸዊዑ

Radio Erena: 04 February 2015

Arya

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ መበል 24 ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ብመንገዲ ኣምባሳደር ኣርኣያ ደስታ ዝተሳተፈት ኤርትራ፣ ምሕንጻጽ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክትግበር ከምዝጸወዐት ዘ ሪፖርተር ካብታ ከተማ ሓቢሩ።

መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ብመንገዲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ሕብረት ኣፍሪቃ ቀዋሚ ኣምባሳደሩ ዝኾነ ኣቶ ኣርኣያ ደስታ ኣቢሉ ናብ ተጋባእቲ ኣብ ዘቕረቦ ጻውዒት፣ ብመሰረት እቲ ብኮሚሽን ዶብ ዝተዋህበ ውሳኔ፣ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክሕንጸጽን ሰራዊት ኢትዮጵያ ድማ ካብቲ ሉኣላዊ መሬት ኤርትራ ምዃኑ ዝተረጋገጸ ክፋላት ክስሕብን ሕብረት ኣፍሪቃ ጸቕጢ ክገብር’ዩ ጸዊዑ።

 

ኣብቲ ኣብ መዛዘሚ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተኻየደ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምልከት ዕጹው ኣኼባ፣ ኢትዮጵያ ብመንገዲ ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣምባሳደር ኣምባሳደር ብርሃነ ገብረክርስቶስ ኣቢላ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ፣ ቅድሚ ዶባት ምሕንጻጹ ክልቲኤን ሃገራት ናብ ዘተ ክቐርባ ኣለወ ከምዝበለት’ውን ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ኣብ ናይ ሎሚ ሕታማ ኣስፊራቶ ኣላ።

ኣምባሳደር ብርሃነ ብተወሳኺ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ክሳብ ኣስመራ ብምኻድ ንዘተ ቅሩብ ምዃኑ ኣቐዲሙ ምጥቓሱ ብምዝክኻር፣ ኤርትራ ግና ንዘተ ቅርብቲ ከምዘይኮነትን ብኣንጻሩ ሰላም እዚ ዞባ ትዘርግ ምህላዋን ወቒሱ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዝወሰዶ መርገጽን ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ልዕሊ’ቲ መንግስቲ ዘንበሮ ክልተ ግዜ እገዳን’ውን መርኣያ ናይዚ ምዃኑ እቲ ኣምባሳደር ኣስሚርሉ።

ዘዋሪ ስልጣን ኣቦ መንበርነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተረከበ ወዲ 90 ዓመት ፕረዚደንት ዚምባብዌ ሮበርት ሙጋበ ድማ ንዘተን ክትዕን ወኪላት መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕሪ ምስማዕ፣ ክልቲኤን ሃገራት ናይ ወጻእተኛታት ምትእትታው ከይገበራ ጉዳየን ባዕላተን ብዘተ ክፈትሓ ዝብል ሓሳብ ከምዝደገፈ’ውን ዘ ሪፖርተር ጠቒሱ ኣሎ።

======================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0