ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ክልዓል ፕ. ሶማል ጸዊዑ

ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ክልዓል ፕ. ሶማል ጸዊዑ

Radio Erena: 31 July 2018

somali presidentኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ክልዓል፣ ኣብ ኤርትራ ናይ ሰለስተ መዓልታት ምብጻሕ ዘካየደ ፕረዚደንት ሶማል፣ መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ጸዊዑ።

ንሱ ካብ 28 ክሳብ 30 ሓምለ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዘካየዶ ፈላሚን ታሪኻውን ምብጻሕ፣ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ቁጠባዊ ውህደት ክረጋገጽን ናጻ ንግዳዊ ስምምዓት ክህሉን እንተኾይኑ፣ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ክልዓል ሓቲቱ።

ባይቶ ጸጥታ ኣብ 2009 ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዘንበሮ እገዳ ምስ ናይ ሶማል ኩነታት ዝተተሓሓዘ’ዩ።

ኣብ 2011 ዝተነብረ ተወሳኺ እገዳ ድማ ምስ ጅቡቲ ዝተተሓሓዘ ምንባሩ ይዝከር።

መንግስቲ ሶማል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ እገዳ ክትግበር ብቀዳምነት ክዋስኡ ካብ ዝጸንሑ መንግስታት ኮይኑ፣ እቲ እገዳ ክልዓል ዝሓትት ዘሎ፣ ድሕሪ’ቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን መንግስቲ ኢትዮጵያን በጺሖሞ ዘለዉ ናይ ሰላም መስርሕ’ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ “ከም ሚኒስተር ጉዳያት ውጻኢ ኤርትራ ኮይነ እንተሰሪሐ፣ ናይ ስራሕ ምትእትታው ከይመስል” ክብል ንኤርትራ ካብ ዲፕሎማስያዊ ተንጽሎ ንምውጻእ ክሰርሕ ምዃኑ ከምዝኣንፈተ ይዝከር።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ካብ ኣስመራ ኣብ ዝተመልሰሉ ዕለት፣ ምስ ጉዳይ ሶማል ተታሓሒዙ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ክልዓል፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምብጻሕ ዘካየድ ንዝነበረ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣንቶንዮ ጉተረስ ብወግዒ ምሕታቱ ይፍለጥ።

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት’ውን ንጉዳይ እገዳ ኤርትራ ይዝትየሉ ከምዘሎ ኣቐዲሙ ገሊጹ’ዩ።

እቲ ባይቶ ኣብ ወርሒ ሕዳር ውሳኔ ክህብ ትጽቢት ኣሎ።

=================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0