ቀ/ሚ ኢትዮጵያ፣ ምስ ኤርትራ ኣብ ዝተገብረ ስምምዕ ብዛዕባ ዶብ ከምዘይተዘራረቡ ኣረጋጊጹ

ቀ/ሚ ኢትዮጵያ፣ ምስ ኤርትራ ኣብ ዝተገብረ ስምምዕ ብዛዕባ ዶብ ከምዘይተዘራረቡ ኣረጋጊጹ

Radio Erena: 31 July 2018

abiy in USኣብ ኣመሪካ ንዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ሰሚናር ዘካየደ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ፣ ምስ ኤርትራ ኣብ ዝተኻየደ ስምምዕ ብዛዕባ ዶብ ከምዘይተዘራረቡ ሓቢሩ።

ንሱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ምስ ኤርትራ ኣብ ዝገበርናዮም ዝርርብ ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ዶብ ኣየልዓልናን። ሓቂ ንምዝራብ ጉዳይ ዶብ ካልኣዊ’ዩ። እቲ ቀንዲ ጉዳይ ህዝቢ ምስ ህዝቢ፣ ዝግበር ርክብ’ዩ። ጉዳይ ዶብ እንተል ኣልዒልና ዘይክንረዳዳእ ስለንኽእል፣ ኣብቲ ካልእ ሓፈሻዊ ጉዳያት ጥራይ ኢና ተዘራሪብና” ክብል ኣስሚርሉ።

መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ዝሓለፈ 17 ዓመታት፣ “ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ መሬትና ከይወጸ፣ ኣይንዘራረብን ኢና፣ እቲ ካልእ ጉዳያት ካልኣዊ’ዩ” እናበለ ክነጽጎ ምጽንሑ ይፍለጥ።

 

=================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0