ኣብ ሊብያ ዝርከቡ መዳጎኒ መዓስከራት ስደተኛታት ክዕጸዉ ጻውዒት ቀሪቡ

ኣብ ሊብያ ዝርከቡ መዳጎኒ መዓስከራት ስደተኛታት ክዕጸዉ ጻውዒት ቀሪቡ

Radio Erena: 08 April 2018

 refugees in libyaኣብ ሊብያ ዝርከቡ መዳጎኒ መዓስከራት ስደተኛታት ክዕጸዉ፣ ሚኒስተር ንግዲ ነዘርላንድስ ጸዊዓ።

ሚኒስተር ሲግሪድ ብ3 ሚያዝያ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፣ እቲ ኣብ ሊብያ ዝርከብ መዳጎኒ መዓስከራት ምስ ሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ዘይሳነ ብምዃኑ ብቕጽበት ክዕጾ፣ መተካእታኡ ካልእ ክፉት መዓስከራት ክህነጽ ጠሊባ።

እዛ ሚኒስተር ንግዲ ነዘርላንድስ፣ ካብ ሓንጸጽቲ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ ከምዚ ዓይነት ተቓውሞ ትገብር ዘላ ቀዳመይቲ ሚኒስተር እያ።

ንሳ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ብኣካል ናብ ሊብያ ብምብጻሕ ንገለ መዳጎኒ መዓስከራት ከምዝበጽሐት ድሕሪ ምግላጽ፣ እቲ ዝረኣየቶ መዓስከራት ንክብሪ ወድሰብ ዘዋርድ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ኣገልግሎታቱ ትሕቲ ዜሮ ከምዝኾነ መስኪራ።

ኣብ ሊብያ ልዕሊ 30 ዝኾኑ ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ዝዳጎኑሉ መዓስከራት ኣሎ።

ሃገራት ኤውሮጳ ብማእከላይ ባሕሪ ንዝካየድ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ንሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ስልጠናታትን ዝተፈላለዩ ናይ ባሕሪያ መሳርሒታትን ብምሃብ ክቆጻጸሮ ከምዝፍትና’ዩ ዝግለጽ። ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ዝሓዞም ስደተኛታት ከኣ ኣብ መዳጎኒ መዓስከራት ብምእሳር፣ ሰብኣዊ ብዘይኮነ ኣተሓሕዛ ከምዘሳቕዮም በብእዋኑ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ሚኒስተር ንግዲ ነዘርላንድስ ነዚ ምዕጻው መዳጎኒ መዓስከራት ጻውዒት ብምቕራባ፣ ካብ ሓያሎ ላዕለዎት ዲፕሎማሰኛታት ኤውሮጳ ተቓውሞ ክገጥማ ከምዝኽእል’ዩ ዝሕበር።

ካብ ኣርቀቕቲ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ዝወሃብ ዘሎ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፣ ሚኒስተር ሲግሪድ ኣቕሪባቶ ዘላ ጻውዒት ኣብ መጻኢ ክዝተየሉ ዝኽእል’ኳ እንተኾነ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ግና ንዕኡ ዝመስል መደብ’ውን ከምዘየለ ይገልጽ።

====================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0