የመን፣ ኤርትራዊ ነጋዳይ ብሚሊሻ ሑቲ ከምዝቐትለ ተሓቢሩ

የመን፣ ኤርትራዊ ነጋዳይ ብሚሊሻ ሑቲ ከምዝቐትለ ተሓቢሩ

Radio Erena: 09 April 2018

Houthi killed Eritrean

ሚሊሻ ኣል ሑቲ ናይ የመን፣ ንሓደ ኤርትራዊ ነጋዳይ ከምዝቐተሉ ማዕከን ዜና ኣልዓረብያ ንምንጭታቱ ካብታ ሃገር ብምጥቃስ ሓቢሩ።

እቲ ብሰሉስ 3 ሚያዝያ ኣብ ደቡባዊ የመን ኣብ እትርከብ ገማግም ባሕሪ ኣል ላሕያ ዝተቐተለ ኤርትራ፣ ከም ሩዝ፣ ፊኖ፣ ዘይትን ካልእ ሃለኽቲ ነገርትን ንምሽማት ብጃልባ ናብታ ሃገር ዝኣተወ’ዩ።

ዝሸመቶ ነገራት ኣብ ጃልባ ጽዕኑ ኣብ ዝተበገሰሉ እዋን፣ ብሰንኪ ኵናት ንዝወርድ ዘሎ ዕንወት መሕወይ ግብሪ ተወሳኺ ክፍሊት ተሓቲቱ፣ ክኸፍል ፍቓደኛ ብዘይምዃኑ፣ ሓደ ዕጡቕ ኣባል ሑቲ ቶኪሱ ከምዝቐተሎ’ዩ እቲ ምንጪ ዝጠቕስ።

ሚሊሻ ሑቲ፣ እቲ ኤርትራዊ ነጋዳይ ካብ ዝተፈቕደ ንላዕሊ ፊኖን ካልእን ሃለኽቲ ነገራትን ሒዙ ናብ ኤርትራ ክኸየድ ብምፍታኑ ከምዝቐተልዎ’ዮም ዝገልጹ።

እንተኾነ ምስኡ ዝነበሩን መሳርሕቱን ነቲ ብሑቲ ዝቀረበ ሓበሬታ ሓሶት ምዃኑ ብምግንዛብ ንቕትለት እቲ ተራ ነጋዳይ ተቓዊሞም።

ኣባላት ሚሊሻ ሑቱ ምፍርራሕን ጸቕጢን ብምግባር ነቲ ቅትለት ክዓብጥዎ ይፍትኑ ከምዘለዉ ዝጠቐሰ እቲ ምንጪ፣ ወዱ ንሓደ ካብኣቶም’ውን ኣሲሮሞ ከምዘለዉ ኣመልኪቱ።

ብስዑዲ ዓረብ ዝምርሓ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፣ ብ ልዕሊ ሕuቲ መጥቃዕቲ ካብ ዝጅምራ ኣብዚ ክልተ ዓመት፣ ካብ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ናብ የመን እናተመላለሱ ህወይቶም ክመርሑ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ገፈፍቲ ዓሳን ነጋዶን ተሰናኺሎም ከምዘለዉ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ብሰንኪ’ዚ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ኣብ የመን ተቐርቒሮም ዘለዎ ኣማኢት ኤርትራውያን ስደተኛታት’ውን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝርከቡ ብተደጋጋሚ የመልክቱ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0