ኣብ ለንዶን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውድድራት ኣትለቲክስ፣ ኣብ ቅድድም ጉያ እግሪ 10 ሽሕ ሜትሮኤርትራውያን ኣትለታት መበል 11ን 17 ደረጃታት ሒዞም

ኣብ ለንዶን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውድድራት ኣትለቲክስ፣ ኣብ ቅድድም ጉያ እግሪ 10 ሽሕ ሜትሮኤርትራውያን ኣትለታት መበል 11ን 17 ደረጃታት ሒዞም

Radio Erena: 07 August 2017

Aron Kifle

ካብ ዓርቢ 4 ነሓሰ ኣብ ለንዶን ኣብ ዝካየድ ዘሎ መበል 16 ውድድር ሻምፕዮን ኣትለቲክስ፣ ኣብ ናይ 10 ሽሕ ሜትሮ ዝተቐዳደሙ ኤርትራውያን ኣትለታት ኣሮን ክፍለን ህዝቕኤል ተወልደን መበል 11ን 17 ደረጃታት ሒዞም።

ኣብዚ ናይ ሶማል መበቆል ዘለዎ ኢንግሊዛዊ ሞ ፋራህ ዝዓብለሎ ቅድድም፣ ኡጋንዳዊ ጀሽዋ ቸፕተገይ ካብ ኡጋንዳ ካልኣይ ፖል ታኑይ ካብ ኬንያ ከኣ ሳልሳይ ብምዃን ብሩርን ነሓስን ማዳልታት ክዕወቱ ክኢሎም።

ክሳብ ሳልሳይ ኣብ ዘሎ ደረጃታት ክዕወቱ ተስፋ ዝተነብረሎም ኢትዮጵያውያን ኣትለታት ከኣ ሓሙሽያ፣ ሻብዓይን ዓስራይን ተርታታት ክሕዙ እንከለዉ፣ ኣብዚ ናይ 10 ሽሕ ሜትሮ ቅድድም ካብ ኤርትራውያን ኣትለታት ከኣ እቲ ዝሓሸ ነጥቢ ዘመዝገበ ኣሮን ክፍሊ ኮይኑ መበል 11’ዩ ተሰሪዑ።

እንግሊዛዊ ሞ ፋራሕ፡ ንሳልሳይ ተኸታታሊ ዓመት’ዩ ሻምፕዮን ውድድር ጉያ እግሪ 10 ሽሕ ሜትር ዓለም ኮይኑ ዘሎ።

መዘኻኸሪ፣- ንዝሰፍሐ መደብ ስፖርት ኣብ ናይ ሰሉስ 8 ነሓሰ ቀጥታዊ ፈነወ ሬድዮ ኤረና ተኸታተሉ።
=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0