መንግስቲ ኤርትራ ብስም ኣቡነ እንጠንዮስ ፕሮፖጋንዳታቱ ይቕጽል ምህላዎ ይንቀፍ

መንግስቲ ኤርትራ ብስም ኣቡነ እንጠንዮስ ፕሮፖጋንዳታቱ ይቕጽል ምህላዎ ይንቀፍ

Radio Erena: 07 August 2017

Abune Antonios

መንግስቲ ኤርትራ ብስም ሳልሳይ ፓትርያርክ ብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ፕሮፖጋንዳታቱ ይቕጽል ኣሎ ክብሉ ሓያሎ ኣመንቲ መራሕቲ ሃይማኖትን ይነቕፍዎ ኣለዉ።

እዚ ነቐፌታታ ዝውሕዝ ዘሎ፣ እቲ መንግስቲ ብ27 ሓምለ ኣብ ዝተኻየደ ርክብ ኣቡነ እንጠንዮስን ሓለፍቲን ሊቃውንትን ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን፣ ኣቡነ እንጠንዮስ ብዛዕባ ህሉው ኩነታቶምን ዕርቅን ዝሃብዎ ሓጺር መግለጺ ብማሕበራዊ ሜድያታት ብቪድዮ ብምዝርጋሕ፣ ኣቡነ እንጠንዮስ ካብ ማእሰርቲ ከምዝተፈትሑን እቲ ጉዳይ ብሰላም ከምዝተዛዘመን ንኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ዓለም ንምርኣይ ድሕሪ ዘካየደኦ ፈተነ’ዩ።

ብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ኣብቲ ልብሲ ፓትርያርክ ዘይኮነ፣ ተራ ልብሲ ካህን ለቢሶም እሞ ድማ ኣብ መንበረ ፓትርያርክ ዘይኮነ ኣብ ተራ ገዛ ምስቶም ብስም ሓለፍትን ሊቃውንትን ተወኪሎም ዝመጹ ኣባላት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን፣ ኣብ ዘስምዖዎ ቃል፣ ን11 ዓመትን መንፈቕን ብወሓለውቲ ተዓጂቦም ምስ ሰብ ከይተራኸቡ ከምዘሕለፍዎ ኣረጋጊጾም።

እንተኾነ ኣቡነ እንጠንዮስ ብዛዕባ’ቲ ተተግቢሩ’ዩ ዝተባህለ ዕርቅን ናብ መንፈሳዊ መንበሮም ምምላሶም ብዝምልከት ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣይሃቡን።

መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት፥ ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ነቲ ብ16 ሓምለ 2017 ኣብ ቤተ ክርስቲያን ርእሰ ኣድባራት ቅድስት ማርያም፥ ዝተገብረ፣ዩ ዝተብሃለ ዕርቂ ፥ ንልቢ ኩሉ ኣማኒ ዘሰምበረ፥ ኣብ ታሪኽ ቤተክርስቲያን ዳግማይ ጸሊም ታሪኽ ዘመዝገበ ፍጻሜ’ዩ ክብል ከምዝገለጾ ኣይርሳዕን።

ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ፥ ኣብ እዋን ቅዳሴ፥ እቲ ስልጣን ሃገርን መዓርግ ፓትርያርክን ዝኾነ፥ መዓርግ ልብሶም ከይለበሱ፥ ከም ሓደ ተራ ጳጳስ፥ ካብ መንበሮም ወጻኢ ኮፍ ምባሎምን፥ ስልጣን ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዝደፈረ ብምንባሩ’ውን ወጊዙ።

ነቲ ኣብ 16 ሓምለ ዝተኻየደ ድራማ’ዩ ዝበሎ ዕርቒ ከምቲ ዝድለ ፕሮፖጋንዳዊ መኽሰብ ክርከቦ ከምዘይክኣለ ዝተዓዘብ መንግስቲ ኤርትራ ድማ ኣብ 27 ሓምለ ካልእ ድራማ ሰሪሑ ክብሉ ሓይሎ ወገናት ርእይቶታቶም ይህብሉ።

መንግስታት ኣመሪካ፣ ፈረንሳን ብሪጣንያን ከምኡ ድማ ሕብረት ኤውሮጳን ካልኦት ኣህጉራውያን ዞባውያን ውድባትን ማሕበራትን፣ መንግስቲ ኤርትራ ነዞም ኣብ ክሊ ዕድመ 90ታት ዝርከቡ፣ ንልዕሊ 11 ዓመታት ዝተኣስሩ ሳልሳይ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጠንዮስ ክፈትሕ ጸቕጦ ክገብራ ጸኒሐን’የን።

ኣብ ኤርትራ ብዘይካ ኣቡነ እንጠንዮንስ፣ ብሰንኪ እምነቶም ንሓያሎ ዓመታት ካብ ዝእሰሩ ደዮም ዝጠፍአ ኣማኢት መራሕቲ ሃይማኖትን ኣመንቲ ዝተፈላለያ እምነታትን ከምዘለዎ ብሰፊሑ ይፍለጥ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0