ኣብዘን ዝሓለፋ 16 ኣዋርሕ ናብ ኤርትራ ዝበጽሐ መራሒ ሃገር ዘይምንባሩ፣ ዞባውን ኣህጉራውን ተነጽሎ ዘጉልሕ ምዃኑ ዲፕሎማሰኛታት ገሊጾም

Radio Erena: 31 March 2017

Issu Xlul

ኣብዘን ዝሓለፋ 16 ኣዋርሕ ናብ ኤርትራ ዝበጽሐ መራሒ ሃገር ዘይምንባሩ፣ ኤርትራ ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ተነጽሎ ከምዘላ ዘነጽር ተርእዮ’ዩ ክብሉ ኣብዚ ቀረባ ናብ ስደት ካብ ዘምርሑ ዲፕሎማሰኛታት ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ገሊጾም።

መራሕቲ ሃገር ናብ ሓንቲ ካልእ ሃገር ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ክፍጽሙ፣ ሓደ ካብ ቀሊል መርኣያ ንጡፍ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት ምዃኑ ዘዘኻኸሩ እቶም ዲፕሎማሰኛታት፣ ኣብ ኤርትራ ግና ኣብዚ ዓመትን ኣርባዕተ ወርሒን ናብታ ሃገር ዝበጽሐ መራሒ ሃገር ከምዘይነበረ ጠቒሶም።

ብጉዳይ የመን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ስልታዊ ዝምድና መስሪተን ካብ ዘለዋ ሃገራት ዓረብ’ውን እንተኾና፣ ዛጊት ናብ ኤርትራ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዝፈጸመ መራሒ የለን።

በንጻር’ዚ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳያይስ ኣፈወርቂ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣስታት ክልተ ዓመታት ናብ ሓሙሽተ ሃገራት ጥራይ ንሳተን ድማ ስዑዲ ዓረብ፣ ሱዳን፣ ቀጠር፣ ሕቡራት ኢማራትን ግብጽን ምብጻሕ ከምዘካየደ ኣመልኪቶም።

ይኹን’ምበር እዚ ድማ ሃገራት ዓረብ ንኤርትራ ንስልታዊ ረብሓ ኣንጻር የመን ንኽጥቀማላ ካብ ዘለወን ድሌት ዝነቐለ እንተዘይኮይኑ ምስቲ መንግስቲ ስትራቴጅያዊ ዲፕሎማሲ ስለዘለወን ከምዘይኮነ ኣረዲኦም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ቅድሚ’ዚ ናይ የመን ኩነታት ናብ ስዑዲ ዓረብ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንኣስታት 10 ዓመታት ዝኸውን ተደጋጋሚ ሕቶ የቕርብ ከምዝነበረ ዝሓበረ ዲፕሎማሰኛ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ነበር፣ ድሕሪ ናይ የመን ኩነታት ኣብ 2015 ግና እቲ ፕረዚደንት ምስ ንጉስ ሳልማን ንኽራኸብ ከምዝኸኣለ’ዩ ዝጠቅስ።

ኣብዚ ዓመትን ኣርባዕተ ወርሒን ናብ ኤርትራ ወግዓዊ ምብጻሕ ዝፈጸመ መራሒ ሃገር የለን ጥራይ ዘይኮነ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ’ውን ኣብዚ ኣስታት ክልተ ዓመት ካብዘን ሓሙሽተ ሃገራት ዓረብ ወጻኢ፣ ኣብ ኣህጉርና ኣፍሪቃ ይኹን ኣብ ካልእ ክፋል ዓለም ናብ ዝርከባ ሃገራት ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ከየካይድ ዘይርኣየሉ ምኽንያት፣ ግዳይ ዞባውን ኣህጉራውን ተነጽሎ ኮይኑ ስለዘሎ ምዃኑ’ዮም እቶም ዲፕሎማሰኛታት ዝሕብሩ።

ናብ ኤርትራ ዝበጽሐ ናይ መወዳእታ መራሒ ሃገር፣ ኣሚር ቀጠር ሸኽ ታሚም ሓማድ ቢን ከሊፋ ኣልታኒ ኮይኑ ኣብ ታሕሳስ 2015’ዩ።
=====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0