ኢትዮጵያ፣ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ንተወሳኺ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣናዊሓቶ

Radio Erena: 02 April 2017

Ethi Stat of Emer

ኣብ ኢትዮጵያ ዝጸንዐ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ክውድእ ሸውዓተ መዓልቲ ኣብ ዝተረፈሉ እዋን፣ ንተወሳኺ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ከምዝተናወሐ ባይቶ’ታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሓያሎ ከተማታት ዝተላዕለ ህዝባዊ ናዕቢ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ንምእታው ብመንግስቲ’ታ ሃገር ዝተኣወጀ’ዚ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ፣ ሽበራውያን’ዮም ዝበሎም ዜጋታት’ታ ሃገር ገና ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዘይኣተዉ ስለዘለዉ፣ ንጸጥታ ሃገር ኣገዳስነቱ ልዑል’ዩ ብምባል እዩ ባይቶ’ታ ሃገር ብምሉእ ድምጺ ኣጽዲቑዎ።

ነቲ ኣዋጅ ተግባራውነቱ ንምክትታል ዝተመዘዘ ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣቶ ስራጅ ፈጌሳ ንባይቶ’ታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ‘እቶም ናዕቢ ንምልዕዓል ብሓላፍነት ዝሕተቱ ውልቀሰባት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ክኣትዉ፣ ምንዋሕ’ቲ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ኣገዳሲ’ዩ’ ኢሉ።

እንተኾነ፣ ሓያሎ ተጣበቕቲ መሰላትን ጋዜጠኛታትን ኢትዮጵያ፣ እቲ ኣዋጅ ብቐንዱ መሰል ውልቀሰባት ስለዝገፍፍ፣ ከምቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝገልጾ ብድሌት ህዝቢ ክኸውን ከምዘይክእል ብምግላጽ ተቓውሞኦም ይገልጹ።

እዚ ኣዋጅ ብኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ዝተናውሓሉ ንምንቅስቓስ ዲፕሎማሰኛታት ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓዊስካ ሓድ-ሓደ ምምሕያሻት ከምዝተገብረሉ ተሓቢሩ።

ንሓያሎ ሳምንታት ዝቐጸለ ህዝባዊ ናዕቢ ኢትዮጵያ፣ መንግስቲ’ታ ሃገር ብዝሃቦ ምላሽ ልዕሊ 800 ሰባት ከምዝተቐትሉ ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ መሰላት ይገልጹ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0