ኣስመራ፣ ኣብ መካነ መቓብር ጸጸራት ዝርከብ ኣስከሬናት ክፈሓር መንግስቲ ብዘሕለፎ ትእዛዝ መሰረት፣ ሓያሎ ስድራቤታት ሬሳታቶም ከልዕሉ ተገዲዶም

Radio Erena: 16 November 2021

ኣብ ኣስመራ፣ ከባቢ ጸጸራት ኣብ ዝርከብ መቓብር ካቶሊካዊትን ወንጌላዊትን ኣብያተ ክርስትያን፣ ዓሪፉ ዘሎ ዝጸንሐ ሬሳታት፣ ክፈሓር መንግስቲ ብዘሕለፎ ትእዛዝ መሰረት፣ ሓያሎ ስድራቤታት ሬሳታቶም ብምልዓል ነናብ ዓድታቶም ክወስዱ ይግደዱ ኣለዉ።

እዚ መንግስቲ ክትግበር ኣገዲድዎ ዘሎ ትእዛዝ፣ ንስድራቤታት፣ ናብ ሓድሽ ሓዘን፣ ዘይተደልየ ወጻኢታትን ካልእ ማሕበረ-ቁጠባዊ ጸገማት የቓልዐ ከምዘሎ እቶም ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምንጭታት ኣገንዚቦም።

ሓያሎ ስድራቤታት፣ ነቲ ብግቡእን ስነ-ስርዓተን፣ ንዓመታት ዝተቐብረ ሬሳታት ፊሒሮም ናበይ ከምዝወስድዎ ምውሳን ስኢኖም ይርከቡ።

ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፣ ካብ መካነ መቓብር ጸጸራት ንዝፈሓር ሬሳታት፣ መጽንሒ ዝኸውን ቦታ ክወሃባ ክትሓትት እንከላ፣ ወንጌላዊት ቤተ ክርስትያን ግና ኣብ ኣስመራ፣ ኣብ ወሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝርከቡ ኣመንቲ ኣስከሬናቶም ፍሒሮም ናብ ዓድታቶም ክወስዱ ብ16 ግንቦት ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ ተማሕጺና።

“ቀዳማይን ዝሓሸን ኣማራጺ ኣስከሬናት ኣልዒልካ ነናብ ዓድኻ ምውሳድ’ዩ” ዝበለት እታ ቤተ ክርስትያን፣ ኣስከሬናት ኣልዒልካ ናብቲ ክስራሕ ዝሕሰብ ዘሎ ስፍራ (ሳጹናት) ምቅማጥ ድማ ከም ካልኣይ ኣስፊራቶ።

ክሳብ 2006 ዓመተ ምሕረት ኣብ ዝነበረ ግዝያት፣ ኣብ መካነ መቓብር ጸጸራት እተቐብሩ ሰባት፣ ኣስከሬኖም ክልዓለ ትእዛዝ ዘመሓላለፈ መንግስቲ ኤርትራ፣ ንዘይተላዕለ ሬሳታት ፍሒሩ ናብ ሓደ ጉድጓድ ክእክቦ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0