ገዲም ተጋዳላይን ሓደ ካብ መራሕቲ ህዝባዊ ግንባርን፣ ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ዓሪፉ

Radio Erena: 15 November 2021

ገዲም ተጋዳላይን ሓደ ካብ መራሕትን ህዝባዊ ግንባር፣ ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ዓሪፉ።

ኣብ ክሊ ዕድመ 74 ዓመት ዝርከብ፣ ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራሲን ፍትሒን፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ዝተሰምየ ሰሚናራት ህግደፍ ንምክያድ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ብሃንደበት ከምዝዓረፈ፣ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብ15 ሕዳር ብቲዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ገሊጹ።

ተደጋጋሚ እዋን ሓሚሙ፣ በብእዋኑ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓረብ ጽዑቕ ሕክምናዊ ክንክን ክካየደሉ ዝጸንሐ ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ፣ ገዲም ተጋዳላኡ ንናጽነት ኤርትራ እኳ እንተኾነ፣ ድሕሪ ናጽነት ግና ምእዙዝ ናይቲ ብሓደ ሰብ ዝምራሕ ስርዓት ህግደፍን መሳርሒ ምልክን ኮይኑ ክብሉ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ይነቕፍዎ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0