ኣመሪካ ኣብ ሶማል ናይ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ኣካዪዳ

Radio Erena: 12 July 2020

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ደቡብ ሶማል ናይ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ኣካዪዳ።

ኣመሪካዊ ወተሃደራዊ እዚ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ብሓሙስ 9 ሓምለ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ኣብቲ ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፣ ሓደ ናይ ኣልሸባብ መፈተሺ ንቑጣ ከምዝተደምሰሰ ሓቢሩ።

ኣብቲ መጥቃዕቲ ብተወሳኺ፣ ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ጉጅለ ኣልሸባብ ተቐቲሉ። እንተኾነ ስም ናይቲ መራሒ ዝተባህለ ኣባል ኣልሸባብ ኣይተገልጸን።

ኣመሪካ ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ ኣብ ሶማል፣ 41 ናይ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ኣካዪዳ ኣላ። ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ መሰላት፣ እዚ ኣመሪካ ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ እተካዪዶ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ሰላማውያን ሰባት ከቢድ ጉድኣት ከውርድ ብምጽሑ፣ ክኹንንዎ እዮም ዝረኣዩ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ግና፣ ኣብ ሰላማውያን ሰባት ዝወረደ ጉድኣት ከምዘየለ’ዩ ኣፍሪኮም ዝገልጽ።

ኣብ ሶማል፣ ከባቢ 500 ወተሃደራት ኣመሪካ ዓስኪሮም ኣለዉ። እቲ ክሳብ 2027 ዓመተ ምህረት ኣብ ሶማል ዝጸንሕ ማእከላይ እዚ ናይቲ ሰራዊት፣ ኣብ ምስልጣን ሰራዊት ሶማል ከምዝተሓጽረ እዩ ዝግለጽ።

እንተኾነ ኣመሪካ፣ ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዝካየድ ናይ ሮኬታት መጥቃዕቲ፣ ኣብ ሶማል ብሰፊሑ እያ ተካዪድ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0