ሸውዓተ ሚኒስተራት መንግስቲ ሱዳን፣ ናይ ስንብታ ወረቐት ኣቕሪቦም

Radio Erena: 12 July 2020

ሸውዓተ ሚኒስተራት መንግስቲ ሱዳን፣ ብገዛእ ፍቓዶም ስልጣኖም ገዲፎም።

ቀዳማይ ሚኒስተር’ታ ሃገር፣ ‘ጠለብ ሰላማዊ ሰልፊ ዘካየደ ህዝቢ ንምምላእ’ ብዝብል ምኽንያት፣ ምቅይያር ካቢኔ ሚኒስተራት ከካይድ ከምዝኾነ ምግላጹ፣ ድሕሪ ሳልስቲ እዮም እቶም ሚኒተራት ባዕሎም ስልጣኖም ዘረክቡ ዘለዉ።

እዞም 7 ሚኒስተራት ስልጣኖም ባዕሎም ዘረክቡ ዘለዉ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሃምዶክ ካብ ነዊሕ ሒዙዎ ዝጸንሐ መደብ ኣቐዲሞም ስለዝፈለጡ’ዮም ክብሉ ተንተንቲ ፖለቲካ’ታ ሃገር የመልክቱ።

ገለ ካብ’ዞም ስልጣኖም ገዲፎም ዘለዉ ሚኒስተራት፣ ብሓይሊ ንናጽነትን ለውጥን ዝተረቑሑ ምስ ምዃኖም፣ ኣብቲ ግዚያዊ ናይ ልፍንቲ መንግስቲ ዝያዳ ምትፍናን ከይፈጥር ስግኣት ኣሎ።

ካቢኔ ሚኒስተራት ሱዳን፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ሓያሎ ጉዳያት ዘይምርድዳእ ከምዘለዎ ዝእንፍት ቃላት፣ ሚኒስተር ዜና’ታ ሃገር ብ30 ሰነ ገሊጹ ኔሩ’ዩ።

ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ስልጣን ሃጓፍ ንምምላእ፣ ዓብደላ ሃምዶክ ግዚያውያን ሚኒስተራት ሸይሙ ኣሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0