ኣመሪካ ንፕረዚደንት ኣልበሽር ውሕስነት ብዘለዎ መንገዲ ካብ ስልጣኑ ክእለ ዘቕረበቶ ሓሳብ ተነጺጉ

ኣመሪካ ንፕረዚደንት ኣልበሽር ውሕስነት ብዘለዎ መንገዲ ካብ ስልጣኑ ክእለ ዘቕረበቶ ሓሳብ ተነጺጉ

Radio Erena: 06 January 2019

albeshir2ኣመሪካ ንፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ውሕስነት ብዘለዎ መንገዲ ካብ ስልጣኑ ክእለ እተቕርቦ ዘላ ሓሳብ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ተቓወምቲ ሓይልታት’ታ ሃገር ገሊጾም።

ኮሙኒስት ፓርቲ ሱዳን ብዓርቢ 4 ጥሪ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ መንግስቲ ኣመሪካ ምስ ዝተፈላለዩ ተቓወምቲ ሓይልታት ብምርኻብ፣ ፕረዚደንት ኣልበሽር ውሕስነት ብዘለዎ መንገዲ ካብ ስልጣኑ ክእለ ዝብል እማመ ይዘራረበሉ ከምዘሎ ገሊጹ። እንተኾነ ግዚያዊ ልፍንቲ መስሪቶም ዘለዉ ሓያሎ ተቓወምቲ ውድባት፣ ፕረዚደንት ኣልበሽር ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣቚሙዎ ዘሎ ስርዓተ መንግስትን ሰበስልጣናቱን ካብ መሰረቱ ክመሓዉ ኣለዎም ክብሉ ገሊጾም።

ካብ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኣመሪካ ዝተላእከ ጉጅለ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ መራሕቲ ተቓወምቲ ሓይልታት ብምርኻብ፣ ኩላቶም እንተላይ ፕረዚደንት ኣልበሽር ዝሳተፉዎ ግዚያዊ መንግስቲ ክትከል ዝብል እማመ ከምዘቕረበ፣ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ይጠቕሱ።

ናህሪ ዋጋታትን ሕሰም መነባብሮን ዘለዓዓሎ ህዝባዊ ናዕቢ ሱዳን፣ ፕረዚደንት ኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ክግለፍ እዩ ዝጠልብ ዘሎ።

እንተኾነ እቲ ፕረዚደንት፣ ኣብ ሶርያን የመንን ንዝተራእየ ውግእ ሓድሕድ ኣብ ሱዳን’ውን ክጅምር ከምዝኽእል ብምግላጹ፣ ብሓይልን ምፍርራህን ኣብ ስልጣኑ ክቕጽል መደብ ከምዘለዎ’ዩ ዘመልክት ክብሉ ምንጭታት ሓበሬታ ካብታ ሃገር የመልክቱ።

======================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0