ላዕለዋይ ኣኽባር ሕጊ ኢትዮጵያ፣ መንግስቲ ክልል ትግራይ፣ ብገበን ዝሕተቱ ሰበስልጣን ነበር ናብ ፖሊስ ከረክቦም ጸቕጢ ክግበረሉ ኣለዎ ኢሉ

ላዕለዋይ ኣኽባር ሕጊ ኢትዮጵያ፣ መንግስቲ ክልል ትግራይ፣ ብገበን ዝሕተቱ ሰበስልጣን ነበር ናብ ፖሊስ ከረክቦም ጸቕጢ ክግበረሉ ኣለዎ ኢሉ

Radio Erena: 06 January 2019

 berhanu tsegayeላዕለዋይ ኣኽባር ሕጊ ኢትዮጵያ፣ መንግስቲ ክልል ትግራይ፣ ብገበን ዝሕተቱ ሰበስልጣን ነበር ናብ ፖሊስ ከረክቦም ጸቕጢ ክግበረሉ ኣለዎ ኢሉ።

ቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ ኣብ ፓርላማ’ታ ሃገር ቀሪቡ መብርሂ ኣብ ዝሃበሉ፣ ኣባላት ባይቶ’ታ ሃገር ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ክልል ትግራይ ጸቕጢ ክገብሩ ጸዊዑ።

ፓርላማ ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ሰሉስ ሓደ ጥሪ ኣብ ዝወዓሎ ኣኼባ፣ ካብ ኣኽባር ሕጊ መብርሂታት ድሕሪ ምስማዕ፣ ኣስማት ናይቶም ክሲ ቀሪቡሎም ዘሎ ሰበስልጣናት ብወግዒ ክንገር ሓቲቱ።

ሓደ ካብ’ቶም ክሲ ተመስሪቱሎም ኣብ ዞባ ትግራይ ይነብር ከምዘሎ ዝግለጽ፣ ሓላፊ ጸጥታን ስለያን ዝነበረ ጌታቸው ኣሰፋ ምዃኑ ይንገር።

ዝርዝር ኣስማት ናይቶም ምስ ጌታቸው ኣሰፋ ተኸሲሶም ዘለዉ ውልቀሰባት ዘይተገልጸሉ ምኽንያት፣ ገለ ወገናት ነቲ መንግስቲ ዝወስዶ ዘሎ ገበነኛታት ናይ ምቕራም መስርሕ ፖለቲካዊ መልክዕ ብምትሓዝ፣ ናብ ረብሓኦም ከውዕልዎ ይፍትኑ ብምህላዎም ምዃኑ ወኪል ኣኽባር ሕጊ’ታ ሃገር ይገልጽ።

ሓላፊ ጸጥታን ስለያን ዝነበረ ጌታቸው ኣሰፋ፣ ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፣ ብልሽውናን ውዱብ ገበናትን ዝኣመሰሉ ክስታት እዩ ቀሪቡሉ ዘሎ።

ምስ ኢንተርፖል ብምትሕብባር ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ከይተረፈ ገበነኛታት ዝቕይድ ፈደራላዊ መንግስቲ፣ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ክሱሳት ንምሓዝ ዘይክእለሉ ምኽንያት ኣይርደኣናን’ዩ ክብሉ ገለ ኣባላት’ቲ ፓርላማ ቁጠዐኦም ይገልጹ።

መንግስቲ ክልል ትግራይ ነቶም ገበነኛታት’ዮም ተባሂሎም ክሲ ተመስሪቱዎም ዘለዉ ውልቀሰባት ከረክቦም ፍቓደኛ እንተዘይኮኑ፣ ኣብ ዘየለዉሉ መስርሕ ፍርዶም ክካየደሉ ዝኽእል ኣማራጺታት ክናደ ከምዘለዎ’ውን እቶም ኣባላት ፓርላማ ሓሳቦም ኣቕሪቦም።

========================= 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0