ኣመሪካ፣ ኣብ ኤርትራ ተዓጊቶም ዘለዉ ውትሃደራት ሶማል ኣብ ምምላስ ክትተሓጋገዞም ፕረዚደንት ሓሰን ሓቲቱ

Radio Erena: 17 September 2022

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ኣብ ሶማል ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ፍልልይ ክሳብ ዝፍታሕ፣ ካብ 2019 ኣትሒዞም ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ኣስታት 5 ሽሕ ሶማላውያን ወትሃደራት ናብ ዓዶም ከምዘየፋንዎም ምግላጹ፣ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኣመሪካ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ምስ ኣማኻሪ ጸጥታ ምምሕዳር ባይደን፣ ሊዝ ሸርዉድ ራንዳል ኣብ ዝገበሮ ርክብ፣ ኣመሪካ ኣብ ምምላስ እቶም ኣብ ኤርትራ ን 3 ዓመታት ተዓጊቶም ዘለዉ ወትሃደራት ክትተሓባበሮም ሓቲቱ።

ጉዳይ እቶም፣ መብዛሕቶም ኣብ ቀጠር ስራሕ ክትምዝገቡ ኢኹም ብዝብል ናብ ዕስክረና ኣትዮም ናብ ኤርትራ ከምዘምርሑ ዝተገልጹ ወትሃደራት ሶማል፣ ብምስጢር ተትሒዙ እኳ እንተነበረ፣ ዝሓለፈ ዓመት ኣዴታት ሃለዋት ደቕና ኣፍልጡና ብዝብል ድሕሪ ዘካየድኦ ተቓውሞ’ዩ መንግስቲ ንመጀመርያ እዋን ብወግዒ ተኣሚኑ።

ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ነበር መሓመድ ፋርማጆን ቀዳማይ ሚኒስተር ሑሰን ሮብለን ከምኡ ድማ ካልኦት ሓይልን ምስ ምርጫ ብዝተሓሓዝ ምፍሕፋሕ ተፈጢሩ ምንባሩ ይዝከር።

ብፍላይ እቲ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ቅርበት ዝነበሮ መሓመድ ፋርማጆ፣ ስልጣኑ ብዘይ ምርጫ ንክልተ ዓመታት ከናውሕን ዘካየዶ ሃቐና፣ ነታ ሃገር ናብ ብረታዊ ጎነጽ ኣምሪሑዋ ኔሩ’ዩ።

ካብ ሓያሎ ወገናት ሶማል ድጋፍ ድሕሪ ምስኣኑ፣ ምርጫ ክካየድ ዝተሰማመዐ መሓመድ ፋርማጆ፣ ነቶም ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ወትሃደራት ናብ ዓዶም ክመልሶም ዘይክኣለሉ ምኽንያት ኣይሓበረን።

ንሱ፣ ስልጣኑ ኣብ ዘረከበሉ ኣብ 23 ግንቦት 2022፣ ጉዳይ ናይቶም ወትሃደራት ንሓድሽ ፕረዚደንት ከምዘረከቦ ካብ ምጥቃስ ሓሊፉ ዝርዝር ኣይሃበን።

ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ናብ ኤርትራ ኣብ ዝበጽሓሉ ብወገኑ፣ ነቶም ወትሃደራት ኣብ ዝሓጸረ ናብ ሃግሮም ክመልሶም ምዃኑ እኳ እንተተመባጽዐ፣ ኣዋርሕ ሓሊፉ ዛጊት ግብራዊ ክኸውን ኣይከኣለን።

ኣብ ኤርትራ፣ ከም ሓውሲ እሱራት ተታሒዞም፣ ኣብ ከቢድ ናይ ጉልበት ስራሕ ተጸሚዶም ከምዘለዉ ዝግለጽ ወትሃደራት ሶማል፣ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ ኵናት’ውን ከምዝተሳተፉ ዝጥቀስ እኳ እንተኾነ፣ መንግስቲ ነዚ ሓበሬታ ብተደጋጋሚ ነጺግዎ’ዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ምስ ኣልሸባብ ኣብ ከቢድ ኵናት ተጸሚዱ ሓገዝ ጎረባብትን መሻርኽትን ዝሓትት ዘሎ መንግስቲ ሶማል፣ ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ኣሽሓት ወትሃደራት ብምምላስ ኣብ ምርግጋእ ጸጥታ ከዋፍሮም ዘይምኽኣሉ ኣብታ ሃገር ሓደ ካብ ዓበይቲ ዛዕባታት’ዩ።

ምስ ፕረዚደንት ባይደን ንምዝርራብ ናብ ዋሽንግተን ኣምሪሑ ዘሎ ፕረዚደንት ሓሰን፣ ኣመሪካ ኣብ ምምላስ እቶም ወትሃደራት ክትተሓባበሮ ዝሓትት ዘሎ፣ ብወገን ኤርትራ ዘተባብዕ ግብረ መልሲ ስለዝሰኣነ ምዃኑ ተንተንቲ የረድኡ።
======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0