ሓድሽ ፕረዚደንት ኬንያ፣ ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ስልጣኑ ንፕረዚደንት ሶማል ኣእንጊዱ

Radio Erena: 16 September 2022

ሓድሽ ፕረዚደንት ኬንያ፣ ዊሊያም ሩቶ፣ ናብ ቤት መንግስቲ ካብ ዝኣቱ ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ንፕረዚደንት ሶማል፣ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣእንጊዱ።

ንሱ ብ13 መስከረም ስልጣን ብወግዒ ንምርካብ ቃለ መሓላ ድሕሪ ምፋጻሙ፣ ንጽባሒቱ 14 መስከረም፣ ንፕረዚደንት ሶማል ኣብ ቤተ መንግስቲ ብምቕጻል፣ ብዛዕባ ህልዉ ኩነታት ዶባት፣ ጸጥታን ዝምድናኣ ክልቲኤን ሃገራትን ብዝምልከት ተመያይጡ።

ቀዳማዊ ዘቤታዊ ፖሊሲኡ፣ ምድምሳስ ኣልሸባብ ምዃኑ ዝገለጸ ፕረዚደንት ሓሰን፣ ንምትግባሩ ሓገዝ ጎረባብቲን ካልኦት መሻርኽትን ከምዘድሊ’ዩ ዘመልክት።

ምስ ሶማል ብሰፊሕ ክፋል መሬትን ውቅያኖስን እትዳውብ ኬንያ፣ ኣልሸባብ ዶባት እናሰገረ ተደጋጋሚ እዋን ብዝፍጽሞ ዘሎ መጥቃዕታት፣ መንግስቲ ሶማል ጸጥታ ከውሕስ ብዘይምኽእሉ’ያ ትነቕፍ።

ምስዚ ተኣሳሲሩ ዶባት ክትዓጹ፣ ካብን ናብን ሶማል ኬንያ ዝመላለሳ ነፈርቲ ክትእግድን ኣብ ኬንያ ዝርከቡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሶማላውያን ስደተኛታት ናብ ዓኦም ክትሰጉግን ምዃና በብእዋኑ ክትገልጽ ጸኒሓ’ያ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ምስሕሓብ ክሊ ማይ ተደሚርዎ፣ ክልቲኤን ጎረባብቲ ሃገራት፣ ነዚ ዝሓለፈ 5 ዓመታት ኣብ ዲፕሎማስያዊ ቁርቁስ ይርከባ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ክልቲኤን ሃገራት ሓደስቲ ፕረዚደንታት መሪጸን ምስ ምህላወን፣ ንዝጸንሐ ምፍሕፋሕ ብምእላው ብሓባር ክሰርሑ ዘኽእሎም ስምምዓት ንምኽታም ድማ’ዩ፣ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ፈላሚ ዕዱም ኮይኑ ናብ ቤት መንግስቲ ኬንያ ዘምርሐ።

ሶማልን ኬንያን ብዘይካ’ዚ ምስ ኣልሸባብ ተተሓሒዙ ዘንጸላሉ ዘሎ ሓደጋታት፣ ኣብዚ 40 ዓመታት ዝበኣሰ ምዃኑ ዝተጠቕሰ ደርቂ’ውን ንከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣቃሊዕወን ይርከብ።

ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ሶማል መጥቃዕታቱ ኣሐይሉ ንዘሎ ኣልሸብባብ ንምድምሳስ ምሉእ ኵናት ኣዊጁ ዘሎ ፕረዚደንት ሓሰን፣ ካብ ጎረባብቲን መሻርኽትን ሓገዝ ይሓትት እኳ እንተሎ፣ ካብ 2019 ኣትሒዞም ኣብ ኤርትራ ኣብ ታዕሊም ከምዝጸንሑ ዝተገልጹ ኣስታት 5 ሽሕ ወትሃደራት ሶማል ናብ ዓዶም ተመሊሶም ኣብ ምውሃስ ጸጥታ ክዋፈሩ ዘይተኻእለሉ ምኽንያት፣ ሕጂ’ውን ዓቢ ሕቶ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0