ኣመሪካ፣ ኣብ ሰለስተ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝወረደ ደርቂ ንምምካት ዝሕግዝ፣ ተወሳኺ ናይ 114 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ለጊሳ

Radio Erena: 17 April 2022
ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ኣብ ሰለስተ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝወረደ ደርቂ ንምምካት ዝሕግዝ፣ ተወሳኺ ናይ 114 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ለጊሳ።
ዩ.ኤስ.ኤይድ ኣብ መግለጺኡ፣ እቲ ናይ 114 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኬንያን ሶማልያን ብሰንኪ ዋሕዲ መግቢ ኣጋጢሙ ንዘሎ ደርቂ ንምምካት፣ ኣብ ልዕሊ ዝተዋጸአ ባጀት ተወሳኺ ሓገዝ ከምዝኾነ ኣመልኪቱ።
ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሽኡ፣ ልዕሊ 20 ሚልዮን ህዝቢ ንሓደጋ ደርቂ ተቓሊዑ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ። እቲ ዞባ፣ ንተኸታታሊ ክልተ ዓመታት እኹል ዝናብ ብዘይምርካቡ፣ ኣብ ልዕሊ ቀረብ ዝስተ ማይ፣ ዘራእቲን ጥሪትን ከቢድ ሃስያ ኣስዒቡ እኳ እንተኾነ፣ ብሰንኪ ውግእ ሓድሕድን ሰብሰርሖ ጥሜትን ናይ ዝሳቐይ ዘሎ ህዝቢ ቁጽሪ እውን ቀሊል ከምዘይኮነ፣ ዩ.ኤስ.ኤይድ የመልክት።
እቲ ሓገዝ፣ ኣብ ኬንያ ብዋሕዲ መኣዛዊ መግቢ ንዝተጠቕዑ ህጻናት፣ ስልጠና ንሰራሕተኛታት ጥዕና ኣብ ዝኣመሰለ መዓላ ክዋፈር እንከሎ፣ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሶማል ከኣ፣ ህጹጽ ናይ መግቢ ሓገዝ ንዘድልዮ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ዝኣክል ህዝቢ ክሕግዝ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ’ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ዝስተ ማይን ናውቲ ሕክምናን ኣብ ምቕራብ ክዋፈር ምዃኑ ተገሊጹ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ኲናት ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ኣብ ዕዳጋታት ዓለም ፈጢሩዎ ዘሎ ቀረብ ዋሕዲ እኽሊ፣ ናብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝለኣኽ ረዲኤት ምሉእ ብምሉእ ብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ይካየድ ምህላዉ ዘመልከተ ዩ.ኤስ. ኤይድ፣ ካልኦት ሃገራት ኣብቲ ናይ ህይወት ኣድሕን መስርሕ ክሳተፋ ጸዊዑ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0