ቁጽሪ ናይቶም ብማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ዝህቅኑ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ብዝተዓጻጸፈ ይውስኽ

Radio Erena: 17 April 2022

ቆራሪ ወቕቲ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ዝውድኣሉ ዘሎ እዋን፣ ቁጽሪ ናይቶም ብማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ዝህቅኑ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ብዝተዓጻጸፈ ይውስኽ ከምዘሎ፣ ንጉዳይ ስደተኛታት ዝከታተላ ትካላት ገሊጸን።
ኣብ ቀዳመ ሰንበት ጥራይ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት፣ ልዕሊ 800 ስደተኛታት ናብ ደሴት ላምፐዱዛ ከምዝሰገሩ ዝሕብራ ማዕከናት ዜና፣ እዚ ቁጽሪ’ዚ ኣብ ዝቕጽል ሰሙናት ብዝተዓጻጸፈ ክውስኽ ተኽእሎ ከምዘሎ ኣመልኪተን።
ማዕከናት ዜና ኢጣልያ ብዝህቦኦ ዘለዋ ሓበሬታ መሰረት፣ ዝበዝሑ ካብ’ቶም ስደተኛታት ዜጋታት ኤርትራ፣ ግብጺ፣ ሶርያ፣ ሱዳን፣ ሶማልያን ኒጀርን ምዃኖም ተገሊጹ።
ግዚያዊ መዓስከራት ኢጣልያ ልዕሊ ዓቕሙ ሰባት ሒዙ ምህላዉ ዝገልጽ ፖሊስ ኣግሪጀንቶ፣ ናብ ካልእ ዞባታት ኢጣልያ ናብ ዝርከብ መዓስከራት ስደተኛታት ዝግበር መስርሕ ክቀላጠፍ ጸዊዑ ኣሎ።
ኣመሓዳሪ ላምፐዱዛ ቶቶ ማርተሎ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ማእከላይ መንግስቲ ኢጣልያ ብዓቢኡ ከኣ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ጻዕቂ ሰባት ንምእላይን ብሰንክኡ ዝፍጠር ጥዕናዊ ጸገማትን ንምውጋድ፣ ተሳትፎኦም ከዕዝዙ ጸዊዑ።
ብካልእ ወገን፣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ እንከለዉ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ኣጋጢሙዎም ‘ብህይወት ኣድሕን’ ናይ ዝተሓገዙ ሰባት ቁጽሪ ኣብ ሓደ ሰሙን ልዕሊ 205 ምብጽሑ ተገሊጹ።
ሓሙሽተ ካብ’ቶም ንስክላ ዝደሓኑ ሰባት፣ ህይወቶም ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ወዲቑ ምንባሩ፣ ሰራሕተኛታት ትካላት ረዲኤት ሓቢሮም።
ብሓፈሽኡ 2022 ዓመተ ምህረት ካብ ዝጅምር፣ ልዕሊ 4 ሽሕ ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ እንከለዉ ተታሒዞም ናብ ሊብያ ከምዝምለሱ ክግበር እንከሎ፣ ብውሑዱ 417 ሰባት ከኣ ህይወቶም ከምዝሰኣኑ፣ ጸብጻባት ኣህጉራዊ ትካል ስደተኛታት የመልክቱ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0