ኣመሪካ፣ ኣርባዕተ ወትሃደራውያን ጀላቡ ንጂቡቲ ብሓገዝ ኣበርኪታ

Radio Erena: 04 March 2020

ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣመሪካ ንጂቡቲ እትገብሮ ወትሃደራዊ ድጋፍ፣ ኣብዚ ዝሃለፈ ወርሒ ኣርባዕተ ጀላቡ ንሓይሊ ባሕሪ እታ ሃገር ከምዘበርከተት ወትሃደራውያን ምንጭታት ገሊጾም።

እተን “ዲፈንደር” ዝተባህለ ኣብ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ዝነጥፋ ፈጠናት ጀላቡ፣ ብ22 ለካቲት’የን ናብ ሓይሊ ባሕሪ ጂቡቲ ተረኪበን።

ኣመሪካ ኣቐዲማ ምስ ለገሰትን ክልተ ተመሳሰልቲ ጀላቡን ካብ ሓይሊ ባሕሪ ፈረንሳ ዝተለገሳ ካልኦትን ብሓባር ኣብ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ጂቡቲ ክዋፈራ ምዃነን እቲ ምንጪ ብተወሳኺ ኣገንዚቡ።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ናይ 2019’ውን ኣመሪካ 31 ሚልዮን ዶላር ዝዋግአን 54 ሓደስቲ ወትሃደራውያን መካይንን ድሩዓትን ንጂቡቲ ብሓገዝ ምሃባ ዝዝከር’ዩ።

ኣብ ጂቡቲ፣ ወትሃደራዊ መዓስከር ለሞንያ ኣስታት 5 ሽሕ ሰራዊት ዘለዋ ኣመሪካ፣ ዓመታዊ ንመንግስቲ ጂቡቲ ናይ ኣስታት 200 ሚልዮን ዶላር ኣበርክቶ ከምእትገብር’ዩ ዝጥቀስ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0