ሶማል፣ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስትን ሚሊሻ ዞባ ጌዶን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ሓያሎ ተቐቲሎም

Radio Erena: 04 March 2020

ኣብ ሶማል፣ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲን ንምንጻል ጁባላንድ፣ ኣብ ዞባ ጌዶ ዝንቀሳቐሱን ሚሊሻ ውግእ ይካየድ ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ወገናት ካብታ ሃገር ሓቢሮም።

እቲ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ዝጀመረ ኵናት፣ ካብ ቤት ማእሰርቲ ሶማል ሃዲሙ ናብ ጌዶ ከምዝኣተወ ዝንገረሉ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ርእሰ ምምሕዳር ጁባላንድ፣ ዓብደራሺድ ጃናን ከምዝድገፉ ንወትሃደራዊ ምንጭታት ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና ገሊጸን።

ጌዶ ምስ ኬንያን ኢትዮጵያን ካብ ዘዳውብ ዞባታት ሶማል ሓደ’ዩ።

ኣገልግሎት ዜና ኣናዱሉ ንወትሃደራዊ መኮነን ካብ ዞባ ጌዶ ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረቦ ዜና፣ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ካብ ወገን ሰራዊት ሚሊሻን በርጌስን ዝርከብዎም ብውሕዱ 10 ሰባት ከምዝተቐትሉ ኣመልኪቱ።

ኣብቲ ግጭት ሰራዊት ኬንያን’ውን ኢዱ ይሕውስ ከምዘሎ ይጥቀስ እኳ እንተሎ፣ ካብ መንግስታዊ ኣካል ዝተዋህበ መግለጺ ግና የለን።

ካብ መንግስቲ ፍቓድ ከይተዋህቦም፣ ናብቲ ግጭት ዝካየደሉ ዘሎ ከባቢታት ሶማል በጺሖም ንዝተመልሱ 11 ኣባላት ባይቶ ኬንያ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ጆሞ ኬንያታ ተኣሲሮም ድሕሪ ዝተኻየደሎም መርመራ ናጻ ከምዝተለቁ ኣብ ናይ ትማሊ ዜና ተቓሊሑ’ዩ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0