ኣመሪካ፣ ትግባረ ስምምዕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ካብ ዝከታተል ጉጅለ ስሒባ

Radio Erena: 18 July 2022

ኣመሪካ፣ ንትግባረ ናይቲ ኣብ 2018 ብመንጎኝነት ኢጋድ ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ዝከታተል ጉጅለ ከምዝሰሓበት ኣፍሊጣ።

ኣፈኛ ሚኒስትትሪ ጉዳያት ወጻኢ፣ ኔድ ፕራይስ ብዝሃቦ መግለጺ መሰረት፣ ኣመሪካ ዝሰሓበትሉ ምኽንያት፣ መራሕቲ ደቡብ ሱዳን ኣብ ምትግባር ናይቲ ስምምዕ ዛሕልታት ስለዘርኣዩ ምዃኑ ነቒፉ።

ኢጋድ፣ ንትግባረ ስምምዕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ክከታተል ኣብ ዘቖሞ ሰለስተ ኣካላት ዝሓቖፈ ጉጅለ፣ ኣመሪካ ብመሪሕነት ክትዋሳእ ምጽንሓ ይፍለጥ።

እንተኾነ ኣመሪካ፣ ትግባረ እቲ ስምምዕ ሰላም ተጓቲቱ ስለዘሎ፣ ኣብ 2023 ምርጫ ክካየድ ተሰሪዑ ዘሎ መደብ ክዕወት ኣይክእልን’ዩ ዝብል እምነት ኣለዋ።

ትግባረ ስምምዕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ከምቲ ዝተመደበሉ ክኸይድ ዘይክኣለሉ ምኽንያት ድማ ድኽመት መራሕቲ ምዃኑ ብምእማት፣ ኣመሪካ ካብ ምክትታል እቲ መስርሕ ከምዝሰሓበት ኣነጺራ።

ምስሓብ ኣመሪካ ካብቲ ናይ ምክትታል ጉጅለ፣ ነቲ ኣብ ሰንኮፍ ዝርከብ መስርሕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ናብ ሓደጋ ዘውድቕ ምዃኑ ተንተንቲ የጠንቅቑ።

ካብ ሱዳን ተፈልያ ኣብ 2011 ናጽነታ ዝኣወጀት ደቡብ ሱዳን፣ ነዚ ዝሓለፈ 11 ዓመታት ኣብ ዘቤታዊ ጎነጽን ብልሽውናን መራሕትን ተጸሚዳ’ያ ሓሊፋቶ።
==================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0