መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ብህጹጽ ክምዝገቡ ዘመሕለፎ ትእዛዝ ሻቕሎት ፈጢሩ

Radio Erena: 18 July 2022

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ካብ 18 ሓምለ ኣትሒዙ ክሳብ ባሕቲ ነሕሰ ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ኣብ ከከባቢኦም ብህጹጽ ክምዝገቡ፣ ዘመሓላለፎ ትእዛዝ ኣብ ብዙሓት ሻቕሎት ፈጢሩ ከምዘሎ፣ ራድዮኤረና ዝተወከሰቶም ወገናት ካብታ ከተማ ሓቢሮም።

ኣብዚ ዝተጠቕሰ ግዜ ዘይተመዝገቡ ኤርትራውያን ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ፣ ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ መንግስቲ ኣጠንቒቑ ኣሎ።

እንተኾነ እቲ ዝውሰድ ስጉምቲ ኣየነጸረን።

እዚ ብሕጋዊ መንገዲ ኣብ ትሕቲ ጽላል ሕቡራት ሃገራት ዝተመዝገቡ ስደተኛታት ይኹን ድሕሪ ‘ስምምዕ ሰላም’ ብዝተፈላለይ መንገዲ ናብታ ከተማ ዝኣተዉ ኤርትራዉያን ዘጠቓለለ ህጹጽ ጻውዒት ዒላምኡ ኣይተጠቕሰን።

እንተኾነ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጉዳይ ኤርትራውያን ኣዘራራቢ ዛዕባ ኮይኑ ምስ ምህላዉ፣ መንግስቲ ንምቑጽጻሮም ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ካብ ገዳም ሰንዳፋ፣ ማይ ጸሎት ተሓጺቦም ዝምለሱ ዝነበሩ 10ታት ኤርትራውያን ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ፣ ኣብ መንገዲ ተዓጊቶም ገሊኦም፣ ኣብ ከባቢ ዳባት ናይ ዝርከብ መዓስከር ኣለምዋጭ ከምዝተወስዱ ተፈሊጡ ኣሎ።

ስደተኛታት ኤርትራ ኣብ ኢትይጵያ፣ ምስ ዘሎ ዘይርጉእ ኩነታት እታ ሃገር፣ ንዝተፈላለየ ሕሰማት ተቓሊዖም ከምዘለዉ ዝፍለጥ’ዩ።

ሓይልታት ጸጥታን ሰበ ስልጣን ኢሚግሬሽንን እታ ሃገር’ውን ነዚ ኩነታት ብምምዝማዝ፣ ጉዳያት ከነሳልጠሉክ ብምባል ካብ ኤርትራውያን ጉቦ ምቕባል ልሙድ ተርእዮ ኮይኑ ምህላዉ በብእዋኑ ዝበጽሓና ሓበሬታ የረጋግጽ።

ስእሊ፣- ARRA (RSS) ካብ ኣርካይቭስ ኤረና

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0