ኣመሪካ፣ ሓደ ሽሕ ተወሰኽቲ ወትሃደራት ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክትልእኽ’ያ

Radio Erena: 01 December 2021

ኣመሪካ፣ ኣስታት ሓደ ሽሕ ተወሰኽቲ ወትሃደራት ናብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክትልእኽ ምዃና መርበብ ሓበሬታ ሚሊታሪ ኣፍሊጡ።

800 ካብ ቨርጂንያ 200 ድማ ካብ ኬንታኪ ዝተኣኻኻቡ ኣባላት ሃገራዊ ሓለዋ ወይ National Guard ኣብ ቴክሳስ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ፎርት ብሊስ ተወሳኺ ልምምድ ኣብ ምክያድ ከምዝርከቡ ንኣፈኛ እቲ ኣሃዱ ብምጥቃስ እቲ ማዕከን ዜና ኣቃሊሑ።

እቶም ወትሃደራት ኣብ መጀመርያ ወርሒ ናይ 2022 ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክዋፈሩ ምዃኖም እኳ እንተተመልከተ ናበየነይቲ ሃገር ግና ኣይተነጸረን።

ኣመሪካ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ኣስታት 6 ሽሕ ሰራዊት ክህልዋ እንከሎ፣ ኣብ ጂቡቲ ጥራይ፣ ነፈርቲ ውግእን መራኽብ ኵናትን ዝዓጠቐ ልዕሊ 4 ሽሕ ወትሃደራት ብቐዋምነት ዓስኪሮም ኣለዉ።

እዚ ብሕጂ እተዋፍሮ ሰራዊት’ውን ንተወሳኺ ተልእኾ ናብ ጂቡቲ ወይ ኒጀር ክዋፈር ተኽእሎ ከምዘሎ ይግለጽ።

እዚ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ፣ ማእከላይ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ጀርመን፣ ከተማ ስቱትጋርት እኳ እንተኾነ፣ ናይ ስርሒታትን ወፍርን ኣሃዱታቱ ግና ኣብ ጂቡቲ’ዩ ዝርከብ።

ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብቲ ቅድሚ 30 ዓመታት ዝነበሮ ኣዕናዊ ወትሃደራዊ ኩነታት ተመሊሱ ከምዘሎ ኣብ ዝትንተነሉ ዘሎ እዋን፣ ኣመሪካ እትርከበን ሓያሎ ዓበይቲ ሃገራት፣ ረብሓታተንን ድሕነት ዜጋታተንን ንምሕላው፣ ተወሳኺ ሰራዊተን ናብ ጂቡቲ ኣብ ምውፋር ይርከባ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0