ህዝቢ ኣል ፋሺጋ፣ ካብ ኢትዮጵያ ንዘጋጥም ተጻብኦታት ኣብ ጎኒ ሰራዊት ሱዳን ክስለፍ ጀነራል ኣልቡርሃን ጸዊዑ

Radio Erena: 01 December 2021

ሰራዊት ሱዳን፣ ሰፊሕ ናይ ሕርሻ ዞባ ኣል ፋሺጋ ንምቁጽጻር ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ወፍሪ፣ ህዝቢ እቲ ከባቢ ኣብ ጎኑ ክስለፍ፣ መራሒ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን ጸዊዑ።

ጀነራል ኣልቡርሃን፣ ናብቲ ብ27 ሕዳር ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ግጭት ዝተኻየደሉ ከባቢታት ባራካት ተረኺቡ፣ ኣብቲ ግንባር ተዋፊሮም ንዘለው ኣባላት ሰራዊት ሱዳን፣ ኣብ ዘስምዖ መደረ’ዩ ነዚ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ኣልፋሺጋ ብዘየካትዕ ኩነታት መሬት ሱዳን’ዩ ዝበለ ጀነራል ኣልቡርሃን፣ ጭራም ‘ውን ትኹን ናብ ካልእ ኣሕሊፎም ከምዘይህቡ ኣስሚርሉ።

ኣብቲ ብቀዳም ዝተኻየደ ግጭት፣ ሽዱሽተ ወትሃደራት ሱዳን ከምዝተቐትሉን ልዕሊ 30 ድማ ከምዝቖሰሉን ሰራዊት ሱዳን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ወቒሱ።

እንተኾነ ኣብ ኵናት ትግራይ ተሸሚሙ ዝርከብ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነቲ ብወገን ሱዳን ዝቐረበ ክሲ ነጺግዎ።

ንኣስታት 25 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ጸኒሑ ንዝተባህለ ከባቢታት ዞባ ኣልፋሺጋ ሰራዊት ሱዳን ብ 6 ሕዳር 2020 ኣብ ዘካየዶ መጥቃዕቲ ን92% ከምዝተቖጻጸሮ’ዩ ዝገልጽ።

ነቲ ዝተረፈ ክፋል ንምምላስ’ውን ገና ኣብ ተጠንቀቕ ይርከብ።

ክልቲኤን ጎረባብቲ ሃገራት ናብ ምሉእ ኵናት ከይሽመማ፣ ነቲ ዘስሓሕበን ዘሎ ጉዳይ ዶብ ብዘተ ንምፍትሑ ዝተፈተነ ኣህጉራዊ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ክዕወት ኣይከኣለን።

ኢትዮጵያ ናብ ዘተ ክትቀርብ እንተኾይና፣ ሰራዊት ሱዳን ናብቲ ቅድሚ 6 ሕዳር 2020 ዝነበረ ከባቢታት ክስሕብ ከምዘለዎ ቅድመ ኩነት ኣቐሚጣ ኣላ።

ኣብ መንጎ ዘን ክልተ ሃገራት ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ዶብ ምስሕሓብ፣ ንጉዳይ እቲ ንግብጺ’ውን ዝጸሉ ስምምዕ ኣጠቓቕማ ናይልን ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋን ብዝያዳ ከምዝሓላልኾ ተንተንቲ የረድኡ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0