ኣመሪካ፡ ንሃገራዊ ሰራዊት ሶማል ሓሙሽተ ወትሃደራዊ መዓስከራት ክትሃንጽ’ያ

RADIO ERENA – Monday, 18 March 2024

ኣመሪካ፡ ንሃገራዊ ሰራዊት ሶማል ዝውዕል፡ ሓሙሽተ ወትሃደራዊ መዓስከራት ንምህናጽ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ እታ ሃገር ስምምዕ ከቲማ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ከምዝተኸተመ ዝተገልጸ ናይ መረዳድኢ ሰነደ፡ ነቲ መንግስቲ ሶማል ሒዝዎ ዘሎ መደብ ምትካእ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኣፍሪቃ ብሃገራዊ ሰራዊት ሶማል ከቐላጥፍ ከምዝኽል ዩ ተመልኪቱ።

ኣብ ሶማል፡ ዳና ትርጉሙ መብረቕ ዝተሰምየ ፍሉይ ብርጌድ ኣብ ምስልጣን ትርከብ ኣመሪካ፡ ሓደ ካብቲ መዓስከራት ነዚ ኣህዱዚ ከምዝወዕል ተሓቢሩ።

ክሳብ መወዳእታ 2024፡ ሶማል ካብ ኣልሸባብ ሓራ ከምእትኸውንን ኣብታ ሃገር ንልዕሊ 20 ዓመታት ተዋፊሩ ዝርከብ አስታት 30 ሽሕ ብዝሒ ዘለዎ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ንምትካእን መብጽዓታት ኣትዩ ዘሎ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ኡጋንዳ፡ ግብጺን ካልኦት ሃገራት ኣሽሓት ወትሃደራት ኣብ ምስልጣን ይርከብ።

ብዘይካዚ፡ ኣብ ሶማል ወትሃደራዊ መዓስከራት ዘለወን ኣመሪካን ቱርኪን ውን በብዋኑ ኣብ ፍሉይ ስርሒታት ዝዋፈሩ ኣባላት ሰራዊት፡ ፖሊስን ሓይልታት ጸጥታን የሰልጥናየን።

ኣብ ሶማል ኣስታት 5 ሽሕ ወትሃደራት ዝሓቖፈ መዓስከር ዘለዋ ኣመሪካ ብፍላይ፡ ኣብታ ኣብ ህንዳዊ ውቅያንስን ኣፍደገ ቀይሕ ባሕርን እትርከብ ሃገር፡ ንሰራዊት መንግስቲ ንምድጋፍን ህላውነታ ንምውሓስን ደብዳብ ድሮናት ዘጠቓለለ ሓያሎ ወትሃደራዊ ስርሒታት ያ ተካይድ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣመሪካ ኣብ ዘካየደቶ ደብዳብ ድሮን ብውሕዱ ሰለስተ ኣባላት ኣልሸቫቭ ከምዝቐተለ ራድዮ ድምጺ ኣመሪካ ሓቢራ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ሞቛድሾ፡ ከባቢ ቤተመንግስቲ ኣብ ዝርከብ ሆቴል ኣብ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 3 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ 27 ድማ ቆሲሎም።

ብረት ዝዓጠቑ ሓሙሽተ ሰባት ናብቲ ሆቴል ብምእታው ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝኸፈትዎ ማዕከናት ዜና ታ ሃገር ገሊጸን።

ስእሊ፡- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0