ኢጣልያ እትርከበን ሃገራት ኤውሮጳ፡ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ምስ ግብጺ ይዝትያ

RADIO ERENA – Monday, 18 March 2024

ፕረዚደንት ኮሚሽን ኤውሮጳ፡ ኡርሰላ ቫን ደር ለየንን መራሕቲ መንግስታት ኢጣልያን ግሪኽን ቤልጁምን፤ ዋሕዚ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ንምግታእ ዝዓለመ ውዕል ንምክያድ፡ ብ17 መጋቢት ናብ ግብጺ ኣምሪሖም።

ዕላማ ዑደት መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ናብ ግብጺ፡ ኣብ ብዙሕ ጽላታት ንምትሕግጋዝ ዘተኮረ ምዃኑ እኳ እንተተጠቕሰ፡ ከም ናይ ቱኒዝያ ተመሳሳሊ ወዕል ምግታእ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ንምኽታም ዝዓለመ ምዃኑ ራድዮ ፈረንሳ ኢንተናሽል ሓቢራ።

ቱኒዝያ ምስ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ብፍላይ ምስ ኢጣልያ ድሕሪ ዝአተወቶ ወዕል፡ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ካብ ከተማታት ብምግፋፍ፡ ናብ በረኻታት ሰሓራ ከምዝመለሰቶም ይዝከር።

ብዘይካዚ፤ መንግስቲ ቱኒዝያ፡ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ኣብ ዝሃድነሉ እዋናት፡ ብዙሕ ግፈዕታት ከምዝተፈጸመ ብትካላት ሰብኣዊ መሰለት ይውቐስ።

ኢጣልያ፡ ምስ ሊብያ ውን ተመሳሳሊ ውዕላት ከምዘለዋ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብመሰረት ስምምዕ ክልቴን ሃገራት፡ ኣብ ማአከላይ ባሕሪ ዝተታሕዙ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ናብ ሊብያ ከምዝምለሱዩ ዝግበር ዘሎ።

ሃገራት ኤውሮጳ፡ ጽልኢ ኣንጻር ስደተኛታትን ሓታቲ ዑቕባን እናገነነን ኣብ ዝመጽኣሉ ዘሎ እዋን፤ መንግስታት ንምግትኡ ዝተፈላለየ ፖሊሲታትን ሕጋጋትን ኣብ ምትእትታው ይርከቡ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0