ኣመሪካን የመንን ኣብ ጉዳይ ስምምዕ ምቁራጽ ተዅሲ ይፈላለያ

Radio Erena: 17 November 2016

Kerry Yemen

ስምምዕ ግዝያዊ ምቁራጽ ቶኽሲ የመን ኣብ 17 ሕዳር ግብራዊ ክኸውን ምዃኑ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ጆን ኬሪ ሓቢሩ።

እቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣመሪካ፣ ነዚ ዝሓበረ፣ ኣብ ዖማን ኣብ ዝተጋብአ ዋዕላ ሓይልታት ልፍንቲ ሃገራት ዓረብን ተቓወምቲ ሑቲ ናይ የመን ድሕሪ ምስታፍ’ዩ።

እንተኾነ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጽኢ ናይቲ ብሓይልታት ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ ዝድገፍ መንግስቲ የመን፣ ዓብደልማለክ ኣል መኽላፊ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ እቲ ስምምዕ ምቁራጽ ቶዅሲ ኣገዳሲ ከምዘይኮነ ኣብሪሁ።

እቲ ሚኒስተር፣ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ የመን ከይተዓደመት ኢዳ ተእቱ’ላ ክብል’ውን ወቒሱ።

ንመላእ የመን ንምቁጽጻር ተቓሪቡ ንዝነበረ ሑቲ ንምድምሳስ፣ ብስዑዲ ዓረብ ዝተመርሐ ሓይልታት ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ ካብ መጋቢት 2015 ጽዑቕ ወትሃደራዊ መጥቃዕታት እኳ እንተካየዱ፣ ንሑቲ ካብ ወትሃደራውን ፖለቲካውን ጽልዋታቱ ክኣልይዎ ግና ኣይከኣሉን።

ብኵናት ክፍታሕ ንዘይክኣለ ኩነታት የመን፣ ፖለቲካዊ ኣማራጺታት ንምንዳይ፣ ብውሕዱ ሰለስተ እዋን ስምምዕ ምቁራጽ ቶዅሲ እኳ እንተተኸተመ፣ ኣብ ግብሪ ግና ክውዕል ኣይከኣለን።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0