ሱዳንን የመንን ኣብ ህሉው ኩነታት ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ዘትየን

Radio Erena: 16 November 2016

Yeme su

ሰብ ስልጣን ሱዳንን የመንን ኣብ ህሉው ኩነታት የመንን ዞባ ቀይሕ ባሕርን ዘትዮም።

ናይ ሰለስ መዓልታት ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም፣ ብምክትል ፕረዚደንት የመን ዓሊ ሞሓሰን ኣል ኣሕማር ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ የመን፣ ብ13 ሕዳር ካርቱም ድሕሪ ምእታዉ’ዩ እቲ ዘተ ተኻይዱ።

ብወገን መንግስቲ ሱዳን፣ ቀዳማይ ምክትል ፕረዚደንት እታ ሃገር ባክሪ ሓሰን ሳልሕ ዝመርሖ ጉጅለ ምስ ልኡኽ የመን ብምርኻብ፣ ኣበርክቶ ሱዳን ኣብ ጉዳይ የመን ብዝምልከት ተዘራሪቡ።

ሱዳን ብዘይካ’ቲ፣ ኣካል ናይቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ልፍንቲ ብምዃና ናብ የመን ዘዋፈረቶ ሰራዊት፣ ኣብቲ ኵናት ንዝቖሰሉ የመናውያን ኣብ ካርቱም ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ሕክምናዊ ረዲኤት ትህብ ከምዘላ ይፍለጥ።

ብምክትል ፕረዚደንት ዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ የመን፣ ኣብ ሱዳን ወግዓዊ ምብጻሕ ክፍጽም እንከሎ፣ ሓደ መዓልቲ ኣቐዲሙ ድማ ፕረዚንት የመን ዓብደረቦ መንሱር ሓዲ ናብ ጅቡቲ በጺሑ’ዩ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0