ኣልጀርያ፣ “ፕረዚደንት ቡተፍሊቓ ሃገር ክመርሕ ኣይበቅዕን” ንዝብል ህዝባዊ ጻውዒት፣ ኣዘዝቲ ሰራዊት ይጽንበርዎ

ኣልጀርያ፣ “ፕረዚደንት ቡተፍሊቓ ሃገር ክመርሕ ኣይበቅዕን” ንዝብል ህዝባዊ ጻውዒት፣ ኣዘዝቲ ሰራዊት ይጽንበርዎ

ኣብ ኣልጀርያ፣ ፕረዚንት ቡተፍሊቓ፣ ሃገር ንምምራሕ ዝበቕዕ ኩነታት የብሉን ዝብል ጻውዒት ህዝቢ፣ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ደገፍ ከምዝረኸበ ይግለጽ ኣሎ።

ነዚ ናይ ህዝቢ ጻውዒት ብምኽባር፣ ፕረዚደንት ቡተፍሊቓ ሃገር ንምምራሕ ኣይበቅዕን’ዩ ኣብ ዝብል መርገጺ ሒዙ ዘሎ፣ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት እታ ሃገር ጀነራል ኣሕመድ ጋይድ ሳላህ፣ እቲ ፕረዚደንት ጻውዒት ህዝቢ ብምስማዕ፣ ስልጣኑ ክሓድግ ተላብዩ።

ወዲ 82 ዓመት ፕረዚደንት ኣልጀርያ፣ ዓብደልዓዚዝ ቡተፍሊቓ፣ ብሰንኪ ወቅዒ ዓራት ካብ ዝሕዝ ኣስታት ሸውዓተ ዓመት ጌሩ ከምዘሎ ይግለጽ።

እንተኾነ፣ እቲ ብዓረብያ ስንኩላን እናተሓገዛ፣ ኣብ ውሽጢ ሃገራን ወጻኢ ሃገራትን ናብ ዝርከብ ሆስፒታላት ንሕክምና ዝመላለስ ዘሎ ፕረዚደንት፣ ኣብ ዝመጽእ ምርጫ ኣልጀርያ ንሓሙሻይ እዋኑ ክሳተፍ ምዃኑ’ዩ ገሊጹ ኔሩ።

ህዝቢ ብዘራዮ ተቓውሞ፣ እቲ ኣብ ምርጫ ናይ ምስታፍ መደብ ደው ከምዘሎ እኳ እንተገለጸ፣ ክሳብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ስልጣን ክቕጽል ወሲኑ።

ህዝቢ ኣልጅርያ ግና፣ እቲ ን20 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ብሰንኪ ሕማም ሃገር ክመርሕ ብቁዕ ስለዘይኮነ፣ ብመሰረት ዓንቀጽ 102 ቅዋም እታ ሃገር ካብ ስልጣኑ ንምእላ ባይቶ እታ ሃገር ውሳኔኡ ከሕልፍ ይጽውዕ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0