እስራኤል፣ ንኤርትራውያን ቆልዑ ዝወሃብ “ሪታሊን”መዐገሲ መድሃኒ፣ ሓደገኛ ሳዕቤን ከምዘለዎ ይግለጽ

እስራኤል፣ ንኤርትራውያን ቆልዑ ዝወሃብ “ሪታሊን”መዐገሲ መድሃኒ፣ ሓደገኛ ሳዕቤን ከምዘለዎ ይግለጽ

Radio Erena: 27 March 2019

ኣብ እስራኤል፣ ብባህርያቶም ጠባያቶምን ውዕይ ንዝበሉ ኤርትራውያን ቆልዑ፣ ብመማህራኖም ዝእዘዘሎም ዘሎ “ሪታሊን” ዝተባህለ መድሃኒት፣ ሓደገኛ ሳዕቤት ከምዘለዎ ተገሊጹ።

እዚ ዝተገልጸ፣ ብቤት ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ኣቡጊዳ ተዳልዩ፡ ብምትሕብባር ዳይርክተር ማእከል ሓድሽ ትምህርቲ እስራኤል ኣቭራም ሃይከል ኣብ ዝተዋህበ ናይ ሓደ መዓልቲ ስልጠናን ምይይጥን’ዩ።

ኣብቲ ዝሓለፍ ቅንያት ዝተኻየደ ምይይጥ፣ እዚ ኣብ ትምህርቲ ‘ትኩረት ምስማዕን ምስትውዓልን ንዘጉደሉን ውዕይ ንዝበለ ጠባይ ዘለዎምን ቆልዑ ዝወህብ ዘሎ፣ ሪታሊን ዝተባህለ መድሃኒት፣ ብሰንኪ ዘለዎ ሓደገኛ ሳዕቤን ኣብ ሓያሎ ሃገራት ክልኩል እኳ እንተኾነ፣ ኣብ እስራኤል ግና ሓደ ሓደ ሓካይምን ኣብያተ መሸጣ መድሃኒታትን ክእዝዝዎ ከምዝርአ ተዘትይሉ።

ኣብ ኤርትራውያን ቆልዑ ነዚ ባህርያት እዚ ዘስተብሃሉ እስራኤላውያን መማህራን፣ ንወለዲ ወርቐት ብምጽሓን ናብዞም ነዚ መድሃኒታት እዚ ዝእዝዙ ሓካይም ይወስድዎም ምህላዎ’ውን ኣብቲ ኣጋጣሚ ተገምጊሙ።

ወለዲ፣ ሰኣን እኹል ኣፍልጦን ምስ ዘሎ ናይ መነባብሮ ጸገምን፣ ነዚ እንታይነቱ ዘይፈልጥዎ፣ ምስ መደንዘዚ ዕጽዋት ዝመሳሰል መዐገሲ መድሃኒት፣ ንደቆም ክህብዎም ከምዝርኣዩ ተዘሪብሉ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0