ኣልሸባብ ኣብ ኬንያ 14 ሰለማውያን ሰባት ቀቲሉ

ኣልሸባብ ኣብ ኬንያ 14 ሰለማውያን ሰባት ቀቲሉ

Radio Erena: 08 July 2015

Alshebab

ሽበራዊ ጉጅለ ኣልሸባብ፣ ኣሰር’ቲ ኣረሜናዊ ዳዒሽ እናተኸተለ ኣብ ዝመጻሉ ዘሎ እዋን፣ ናብ ቅድሚ ትማሊ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ኣብ ሰሜናዊምብራቕ ኬንያ፣ ንህንጻ ዝኸውን እምኒ ኣብ ምጽራብ ተዋፊሮም ንዝነበሩ 14 ሰለማውያን ሰባት ቀቲሉ።

እቲ ሽበራዊ ጉጅለ፣ ብለይቲ ናብ ሓደ ሰራሕተኛታት ዝሰፍርሉ ህንጻ ብምእታው፣ ነቶም ኣመንቲ ክርስትና ዝኾኑ ሰራሕተኛታት እናፈለየ ከምዝረሸነ ናይ ዓይኒ መሰኻክር ካብቲ ቦታ ኣመልኪቶም።

 

እቲ ሽበራዊ ጉጅለ፣ ኣቀዲሙ’ውን ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ተማሃሮ ዩኒቨርሲትን ሰራሕተኛታት ህንጻን ዝርከብዎም ኣስታት 400 ሰለማውያን ሰባት ብተመሳሰሊ ኣገባብ ከምዝቐተለ ኣይርሳዕን።

ፕረዚደንት ኦባማ ናብ ኢትዮጵያ ዑደት ንምክያድ ብኬንያ ክሓልፍ ምዃኑ ኣብ ዝተሓበረሉ፣ ጸጥታ እታ ሃገር ንምድልዳል፣ መዓርፎ ነፈርቲ ዝርከቦ ኣገደስቲ ወትሃደራውያን ሲቪላውን ትካላት ድማ ብፍሉያት ሓይልታት ጸጥታ ኣመሪካ ክጽናዕን ምዃኑ ኣብ ዝንገረሉ ዘሎ እዋን’ዩ ኣልሸባብ ነዚ ቅትለት ንጹሃት ሰባት ፈጺሙ ዘሎ።

መንግስቲ ኬንያ፣ ነቲ ካብ ኣልሸባብ ብቀጻሊ ዝመጾ ዘሎ ተጻብኦታት ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ህዝቢ ዝፍጸም ዘሎ ቅትለት ክገትእ ብዘይምኽኣሉ ብዜጋታት እታ ሃገር ብተሪ’ዩ ዝንቐፍ።

ቅድሚ ክልተ ዓመት ምስ ኣልቓዒዳ ከምዝሓበረ ብወግዒ ዝሓበረ ኣልሸባብ፣ ኣብዚ እዋን’ኦ ድማ ኣሰር ኣረሜናዊ ጉጅለ ዳዒሽ እናተኸተለ፣ ሰለማውያን ሰባት ኣብ ምርሻን ተዋፊሩ ይርከብ።

=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0