ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ሕሉፍ ጽልኢ ዘለዎ እስራኤላዊ ፣ ንሓደ ኤርትራዊ ኢዱ ቆሪጽዎ

ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ሕሉፍ ጽልኢ ዘለዎ እስራኤላዊ ፣ ንሓደ ኤርትራዊ ኢዱ ቆሪጽዎ

Radio Erena: 07 July 2015

attacked hand

ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ሕሉፍ ጽልኢ ዘለዎ እስራኤላዊ፣ ንሓደ ኤርትራዊ መንእሰይ ግንቦ ኢዱ ቆሪጽዎ።

እቲ 25 ዓመት ዝዕድሚኡ ኤርትራዊ መንእሰይ፣ ባርዲስካ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ፣ ኣውቶቡስ እናተጸበየ እንከሎ፣ ‘ስለምንታይ ትርእየኒ’ ብዝብል ሕሉፍ ጽልኢ ፈኪሩ ዝኸደ እስራኤላዊ ድሕሪ ሓሙሽተ ደቓቕ ተመሊሱ ብጎዞሞ ርእሱ ክትርትሮ ምስ በለ፣ ብኢዱ ስለዝተኸላኸሎ፣ ኢዱ ከምዝተቖርጸት ምስ ወኪል ሬድዮ ኤረና ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ ኣረዲኡ።

 

እቲ መንእሰይ ኣብዚ እዋን’ዚ ‘ተል ሃሾመር’ ኣብ ዝተባህለ ሆስፒታል ከምዝርከብን፣ እታ ብጎዘሞ ተቖሪጻ ኣብ ባይታ ዝወደቐት ኢዱ ብሓገዝ ሓካይም ለጊባ ምህላዋን፣ ንቡር ስርሓ ንምትግባር ጻዕርታት ሕክምናዊ ጻዕርታት ይቕጽል ምህላዋና’ውን ወኪል ሬድዮ ኤረና ካብ ሆስፒታል ኣረጋጊጹ።

ይኹን’ምበር እቲ ንኤርትራዊ መንእሰይ ብዘይዝኾነ ምኽንያያት ዝቖረጾ ኣብ ካልኦት ዓሌታት ብፍላይ ድማ ኣብ ስደተኛታት ሕሉፍ ጽልኢ ዘለዎ ኣይሁዳዊ፣ ዛጊት ኣብ ቀይዲ ከምዘይኣተወ’ዩ ዝንገር።

ሕሉፍ ጽልኢ ዘለዎም ኣይሁዳውያን ብብዝሒ ኣብ ዘዘውትርዎ ከባቢ ባርዲስካስ ናይ ቴልኣቪቭ ዝነብሩ ኤርትራውያን ግዳያት ዝተፈላለየ ግፍዕታት ይኹኑ ምህላዎም ጸብጻባታ ካብታ ከተማ የመልክቱ።

==================================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0