”ኣልሑቲ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ሪያድ ዝወንጨፎ ሚሳይል፣ ካብ ኢራን ዝተለገሰሉ’ዩ” ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ

”ኣልሑቲ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ሪያድ ዝወንጨፎ ሚሳይል፣ ካብ ኢራን ዝተለገሰሉ’ዩ” ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ

Radio Erena: 17 December 2017

coalition spoksPናይ የመን ኣልሑቲ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ሪያድ ዝወንጨፎ ሚሳይል፣ ካብ ኢራን ዝተለገሰሉ’ዩ ክትብል ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ወቒሳ።

ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብሓሙስ 14 ታሕሳስ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፣ ኢራን ንዕጡቓት ሓይልታት ሑቲ ወተሃደራዊ ድጋፍ ምሃብ ክሳብ ዘየቋረጸት፣ ኣብ የመን ሰላም ክሰፍን ኣይክእልን’ዩ ክትብል እያ ወቒሳ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፣ እቲ ክሲ መሰረት የብሉን ድሕሪ ምባል፣ ኣመሪካ ንእትፍጽሞ ዘላ ገበናት ኲናት ንምሽፋን ዝቐረበ ጸለመ’ዩ ክብል ነጺጉዎ።

ስዑዲ ዓረብን መሻርኽታን ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ የመን ትትኩሶ ዘላ ባለስቲክ ሚሳይላት ኣመሪካ ዝለገሰቶ’ዩ፣ ዝበለ ሚኒስተር መሓመድ ጃቫድ ዛሪፍ፣ ኢራን ንኣልሑቲ እትህቦ ዘላ ሓገዝ ኣብ ምምኻርን ስለያዊ ሓበሬታ ኣብ ምልውዋጥን እንተዘይኮይኑ፣ ዝኾነ ዓይነት ወተሃደራዊ ሎጂስቲክ ከምዘይሃበት ገሊጹ።

ኣብ ከተማ ሪያድ ናብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ስዑዲ ዝተወንጨፈ ሚሳይል፣ ሓላፍነት እትወስደሉ ኢራን’ያ ክትብል ኣቐድም ኣቢላ ስዑዲ ዓረብ ከሲሳ’ያ።

==================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0